ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ዕጡቓት ልኡኻት ሰላም ዓጊቶም

ኣብ ምብራቕ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ዕጥቁ ንክፈትሕ ንምእማን ዝኸዱ ሰለስተ ልኡኻት ሰላም ተዓጊቶም።

ፕረዚደንት ፌሊክስ ሺሰከዲ ንቶማስ ሉባንጋ፣ ጀርመይን ካታንጋን ፍሎሪበርት ንጃቡን ዝተባሃሉ ሰባት እዩ ምስ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ተደጋጋሚ ግፍዒ ከምዝፈጸሙ ዝኽሰሱ ዕጡቓት ኮዴኮ ክላዘቡ ልኢኽዎም።

ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ንማዕኸን ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ እቶም ልኡኻት ኣብ ዝዘራረብሉ እዋን ወተሃደራት ኮንጎ ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ ብምግላጽ ነቶም ልኡኻት ከም ዝሓዙዎም ተዛሪቡ።

ንዕኦም ብስልኪ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።

ኮዴኮ፡ ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምብራቓዊ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ረብሓ ልንዱ ዝተባህሉ ብሄር ከኽብር ከም ዝቃለስ ይገልጽ።

ሉባንጋን ካታንጋን ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብቲ ከባቢ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ብዝብል ገበነኛታት ኮይኖም ስለ ዝረኸቦም ነፍሲ ወከፎም ን14ን 12 ዓመትን ተኣሲሮም ዝወጽኡ'ዮም።

ጃዱ'ውን ትሸዓተ ዓቀብቲ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምቕታል ን15 ዓመታት ተኣሲሩ እዩ።