ቢቢሲ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ጋዜኛታት ቢቢሲ ምስርጣይ ትፍጽም ኣላ ብምባል ቢቢሲ ጠሪዑ

ቢቢሲ ኒውስ ፐሪሽያ ሰሙናዊ ብደረጃ ዓለም ናብ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ይከታተልዎ። ካብኦም እቶም 13 ሚልዮን ኢራናውያን'ዮም
መግለጺ ስእሊ, ቢቢሲ ኒውስ ፐሪሽያ ሰሙናዊ ብደረጃ ዓለም ናብ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ይከታተልዎ። ካብኦም እቶም 13 ሚልዮን ኢራናውያን'ዮም

ኢራን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ቢቢሲ ፐርሽያን ቤተሰቦምን ምስርጣያት ትፍጽም ኣላ ብምባል ቢቢሲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ጥርዓን ኣብጺሑ።

ኢራን ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ክትፍጽሞ ዝጸንሐት ዘይሕጋዊ ስርሒታት ሕጂ እናኸፈአ ከምዝኸደ ይግለጽ።

ዳይረክተር ቢቢሲ ዎርለድ ሰርቪድ ሊልያን ላንዶር፡ ኣብ ኢራን ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ንብረቶም ምድስካል፡ ብመርበብ ሓበሬታ ምፍርራሕን ናይ ሞት መጠንቀቕታን ዝርከቦ ሓያለ ምፍርራሓት ከምዝበጽሖም ገሊጻ።

ሊልያን ላንዶር ኣብ ኢስቶንያ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ናጽነት ሚድያ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ብቅልጡፍ 'ደው ክብል ኣለዎ' ኢላ።

መንግስቲ ኢራን ንተመሳሳሊ ክስታት ቢቢሲ ክንጽጎ ከምዝጸንሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ንቢቢሲ ስኑዕ ሓበሬታት ብምዝርጋሕ ንምውዳቕ መንግስቲ ኢራን ይሰርሕ ኣሎ ብምባል'ዩ ዝኸስስ።

ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ሰሙናዊ ብደረጃ ዓለም ናብ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ይከታተልዎ። ካብኦም እቶም 13 ሚልዮን ኢራናውያን'ዮም።

ኢራን ንቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ዝኣገደት ሃገር እንከላ'ያ ኣስታት 13 ሚልዮን ኢራናውያን ንቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ዝከታተልዎ።

ቢቢሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢራን ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያን ስድራቤቶምን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዕላማ ገይራቶም ምጽናሓ ጠቒሱ።

ኢራናውያን ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ንህይወቶም ስለዝፈርሑ ንኢራን ክኣትዉ ከምዘይክእሉን እቶም ኣብ ውሽጢ ኢራን ዝርከቡ ስድራቤቶም ከኣ ናብ ወጻኢ ከይገሹ ተኣጊዶም፡ መርመራታት ይካየደሎምን ይእሰሩን ከምዘለዉ ቢቢሲ ይገልጽ።

እቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጥርዓን ናይ ቢቢሲ፡ ምስ ኣባላት ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብዝተገበረ ቃለ መሕተታት ዝተኣከበ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ።

ኮሊፎን ጋልመግርን ጀነፈር ሪቢንሶንን ኣባላት ቤት ምኽሪ ቢበሲ ዎርልድ ሰርቪስ ኮይኖም "ካብ ዝሓለፈ ተግባራት ኢራን ብምምርኳስ፡ ኢራን ንዝቐርቡላ ነቀፌታታት ንምዕባስ ዶብ ሰጊራ'ውን ቀታሊ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል እያ" ኢሎም።

ብምስዓብ " ኣብ ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትት፡ ጋዜጠኛታት ስለዝኾኑን ስርሖም ይሰርሑ ስለዘለዉን ጥራይ ክሳብ ናይ ሞት መጠንቀቕታ ይበጽሖም ኣሎ፡ ካብዚ ብምብጋስ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን ግቡኦም ክፍጽሙ፡ ንኢራን ተሓታቲት ክገብሩን ጋዜጠኛታትና ብዘይ ፍርሒ ስርሖም ንኸካየዱ ኩሉ ዝክኣል ዘበል ክገብሩን ንጽውዕ" ኢሎም።

ኣቐድም ኣቢሉ ዋና ፍሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኢራን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ብእትገብሮ ዘላ ክሳብ ናይ ሞት ምፍርራሕ ዝበጽሕ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ ነይሩ እዩ።