ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዝፍጸሙ ዘለው ዕልዋታት ተቓዊሞም

መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸሙ ሓሙሽተ ዕልዋታት መንግስቲ፡ ነቲ ዝረኣ ዘሎ "ማዕበል" ዕልዋታት ተቓዊሞም።

ምስ ምርጫን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ብዝተኣሳሰር ኣብ ኣፍሪቃ ብርክት ዝበሉ ዕልዋታት መንግስቲ ይርኣዩ ኣለው።

ኣብ ቀረባ፡ ሰራዊት ጉጅለታት ራዕዲ ዝፍጽሙዎ መጥቃዕታት ክሽገራ ዝጸንሓ ሃገራት ቡርኪናፋሶን ማሊን ዕልዋ ፈጺሞም ስልጣን ተቖጻጺሮም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጒኒ-ቢሳው'ውን ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተፈተነን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር እቲ ፈተነ ዕልዋ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ፡ እቲ ኣብ ማሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ ኣዘዝቲ ወተሃደራት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ሃገራት ዘተበባብዐ "ለብዒ" ኮይኑ ክብል ገሊጽዎ።

እንተኾነ፡ ዜጋታት ሃገራት እቲ ዞባ በቶም ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተፈጸሙ ዕልዋታት ሕጉሳት ኮይኖም ተቐቢሎምዎ እዮም።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ግን እቲ ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ንክምለስ ዝጠልቡ ሰልፍታት ተቓውሞ ክሕይሉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ተራእዩ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸቡ ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ "ብዘየሻሙ . . . ነቲ ማዕበል ዘይሕገመንግስታዊ ለውጢታት ኮኒኖም" ክብል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮሌ ኣዶዬ ተዛሪቡ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ፣ ጒኒን ማሊን ሱዳንን ዝተኻየዱ ዕልዋታት፡ እቲ ሕብረት ነተን ሃገራት ካብ ኣባልነት ኣጊዱወን እዩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዝተወስደ ስጉምቲ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ተገሊጹ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ፕረዚደንት ጫድ ኢድሪስ ዴቢ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝኻየድ ዝነበረ ጎንጺ ድሕሪ ምቕታሉ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ይንቀፍ።

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 1960ታን 1970ታትን ኣብ ዘለው ዓመታት ድሕሪ ዝነበሩ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣትሒዞም ብርክት ዝበሉ ዕልዋታት ክካየደለን እንከሎ፡፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ግን ምንካይ ኣርእዩ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እዚ ክፍለ ዘመን፡ ሸሞንተ ዕልዋ መንግስቲ ክፍጸም እንከሎ ካብ 2020 ጀሚሩ ግን ድሮ ሽዱሽተ ዕልዋ መንግስቲ ተፈጺሙ ኣሎ።