እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማዳካስካር፡ ኣብ ውሑድ ሳምንታት ንኻልኣይ ግዜ ብብርቱዕ ህቦቡላ ተጠቒዓ
ማዳካስካር ድሕሪ እቲ ሰፊሕ ዕንወትን ሞት ሰባትን ዘስዓበ ውሕጅ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልአ ክልተ ግዜ ብብርቱዕ ህቦቡላ ተጠቒዓ።
ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ መንደራጋሕን ጋሻ ውሕጅን ንብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቤት ኣልቦ ከይገብሮም ሻቕሎት ከምዘለዎም ገሊጾም።
ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም ናብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ተቐይሮም። “ኣመና ተሰናቢድና ኣሎና” ክትብል ሓላፊት ፕሮግራም መግቢ እታ ኣብ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትርከብ ማዳጋስካካር ፓስኵላና ዲ ሲሮ ተዛሪባ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንረድኤት ዝደልዩ ሰባት እኹል ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘዳለወ ዝገለጸት እታ ሓላፊት ገሊኦም ግዳያት ከኣ ናብ ካልእ ውሑስ ከባቢ ከምዝተወሰዱ ሓቢራ።
ትማሊ ዓርቢ ነበርቲ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ናይ ገዛውቶም ዚንጎ ብንፋስ ከይውሰዶም መእንቲ ብብሎኬት ክጸቕጥዎ ተራእዮም።
“ኣዝየ ተሰናቢደ ኣለኹ፤ ምኽንያቱ እቲ ብርቱዕ ህቦቡላ ካብቲ ዘለዎ ዝያዳ ክሕይል ከምዝኽእል ይግለጽ’ሎ” ክብል ነበሪ እታ ከተማ ዝኾነ ኒቮ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ኣስታት ክልተ ሚእቲ ኪሎ ሜትሮ ዝሕምበብ ባሲራይ ዝተብሃለ ህቦቡላ ካብ እቲ ንሃገራት ሞዛምቢክ፣ ማላውን ዝምባብዌን ዘጥቅዐ ኣና ዝተሰመየ ውሕጅ ክሕይል ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ተዛሪቦም።
ሎሚ ቀዳም 30 ሴንቲ ሜትር ዝዓቐኑ ማይ ክወቅዕ ትጽቢት ዘሎ ኮይኑ እዚ ከኣ ንጋሻ ውሕጅ ከጋድዶ ከምዝኽእል ይግመት። ብተመሳሳሊ ብርቱዕ ህቦቡላ ብርቱዕ ማዕበል ከተስእ ከምዝኽእል ይዝረብ።
ሚኒስተር ከባብያዊ ተፈጥሮ ቫህናላ ራሃሪናራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ንልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ዝሃሰየ ህቦቡላ እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ቐረባ ግዜ ዝተኸሰተ ኣዕናዋይ ውሕጅ ብሰንኪ ክሊሚያዊ ለውጥን ዓለማዊ ወሰኽ ዋዕን ከምዝተፈጠረ ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣዝርእቲ ከምዘጥፈአን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብቲ ከባቢ ወሰኽ ዋጋን ሕጽረት መግብን ከምዝተኸሰተ ኣፍሊጡ።
ከም ህቦቡላ ዝኣመሰሉ ብሰንኪ ክሊሚያዊ ለውጢ ዝፍጠሩ ነገራት ክደጋገሙ ከምዝኽእሉ ሰብ ሞያ ሓቢሮም።
ማዳካስካር ካብቲ ብሰንኪ ወሰኽ ሙቐት ከምዝተኸሰተ ዝንገረሉ ሓደጋ ድርቂ ትመሓየሽ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።