ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተላጊቦም ዝተወለዱ ዕሸላት ንሕክምና ናብ ኣዱስ ኣበባ ተላኢኾም

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሓረርጌ ከተማ ሂርና ካብ ኣፍልቦም ንታሕቲ ተላጊቦም ዝተወለዱ ዕሸላት ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኣዱስ ኣበባ ተላኢኾም።

እቶም 2 ለካቲት 2022 [25 ጥሪ 2014 ዓመተ ምህረት] ኣብ ሆስፒታል ሂርና ዝተረወለዱ ህጻናት “ልዕሊ ኣፍልቦም ክልተ ሰባት ትሕቲ ኣፍልቦም ኸኣ ሓደ ሰብ ኮይኖም’ዮም ተወሊዶም” ክትብል ሜዲላል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፋሚ መሓመድ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ዶክተር ፋሚ መሓመድ፡ እቶም ካብ ኣፍልቦም ንታሕቲ ሓደ ሰብ ኮይኖም ዝተወለዱ ዕሸላት፡ ብዘይ መሃንቱስ ስለዝተወለዱ “ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ወጻኢ ንኽኸዱ ወሲንና ካብዚ ‘ሪፈር’ ኢልናዮም ኣለና” ኢላ።

ብመስረት እቲ ዝተጸሓፈሎም ደብዳበ እቶም ካብ ኣፍልቦም ንታሕቲ ተላጊቦም ዝተወለዱ ዕሸላት ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘምርሑ ኣቡኦም ኣቶ በትራ ሉሉ ትማሊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቅድመ-ወሊድ

ኣዲኦም ክልተ ወርሒ ቅድሚ ምሕራሳ ኣብ ዝተገበረላ መርመራ ማንታ ክትሓርስ ምዃና ብሰብ ሞያ ሕክምና ከምዝተነገራ ኣቶ በትራ ይገልጹ።

ዶክተር ፋሚ መሓመድ’ውን ወላዲት እዞም ዕሸላት ቅድሚ ክልተ ወርሒ ናብ ሆስፒታል ሂርና መጺኣ ምንባራ ተዛሪባ።

“ነፍሰጾራት ቅድሚ ምሕራሰን ብስሩዕ ናብ ሕክምና እናመጽኣ ኩነታት ጥዕነአንን ኣብ ማህጸነን ዘሎ ዕሸልን ክከታተላ ኣለወን። እዛ ወላዲት ግን ነፍሰ ጾር እንከላ እኹል ምክትታል ኣይገበረትን፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እያ ናብዚ መጺኣ ነይራ” ትብል።

ኣብ ሆስፒታል ሂርና ኣብ ዝተገበረላ መርመራ ማንታ ክትሓርስ ምዃና እዩ ግምት ተዋሂብዋ ነይሩ።

እንተኾነ “ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ክትሓርስ ምስ ጀመረት፡ ካብ ኣፍልቦም ንታሕቲ ዝተላገቡ ዕሻላት ተገላጊላ” ብምባል እቶም መዋልዳን ዘይተጸበይዎ ከምዘጋጠሞም ዶክተር ፋሚ ሓቢራ።

ነዞም ተላጊቦም ዝተወለዱ ዕሸላት ዝተዓዘብዎም “ጾታኦም ኣወዳት ኮይኖም ሓንቲ ብልዕትን ክልተ ኣእጋርን’ዩ ዘለዎም፡ ካብ ኣፍልቦም ንላዕሊ ግን ክልተ ሰባት’ዮም” ኢሎም።

እቶም ዕሸላት ካብ ሆስፒታል ሂርና ናብ ሆስፒታል ጭሮ ኣብ ዝተለኣኽሉ እዋን ኩነታተት ጥዕነኦም ጽቡቕ ከምዝነበረ ዝገለጸት እታ ዶክተር፡ ክልቲኦም ጸባ ጡብ ኣዲኦም ይጠቡ ምንባሮም ተዛሪባ።