ሶርያ: መራሒ ዳዕሽ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ተቐቲሉ

መራሒ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ (ኣይ-ኤስ) ፍሉይ ኣሃዱታት ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ኣብ ሶርያ ከም ዝተቐትለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍሊጡ።

ሞት ኣቡ ኢብራሂም ኣል-ሃሺሚ ኣል-ቁራዪሺ "ንዓለም ገጢሙዋ ዝነበረ ቀንዲ ሽበራዊ ስግኣት ዘወገደ'ዩ" ክብል ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

ኣብ ከበባ ምስ ኣተወ፡ ዝነበሮ ቦምባ ብምፍንጃር ገዛእ-ርእሱን ስድራቤቱን ከም ዝቐተለ'ውን እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታ ፈለማ ዝበጽሑ ሶርያውያን ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን፡ 13 ሬሳታት ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ተቓወምቲ እትርከብ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ኢድሊፕ ዘላ ከተማ ኣትመህ ኣብ ዝርከብ ብዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ'ዩ ተኻዪዱ።

እቲ ዞባ ኣንጻር ጉጅለ ዳዕሸ ዝኾኑ ሓያሎ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ዝርከቡሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣንጻር ብፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ዝምራሕ መንግስቲ ዝቃለሱ ብቱርኪ ዝድገፉ ተቓወምቲ'ውን ኣብቲ ከባቢ ከም ዘለዉ ይግለጽ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ነቲ ዓብደላ ቋርዳሽን ሓጂ ዓብደላን ብዝብል'ውን ዝፍለጥ ቁራዪሺ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ዘለዎም ወጥን ስርሒት ንፕረዚደንት ባይደን ኣቕሪቦምሉ ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ዝተረኽበ ስለያዊ ሓበሬታ፡ ቁራዪሺ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ህንጻ ምስ ስድራቤቱ ይነብር ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ካብቲ ህንጻ ይወጽእ ከምዘይነበረን፡ ንጥፈታት ናይቲ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ምክያድ ንትእዛዛቱ ብመገዲ ተለኣኣኽቱ የሳልጦ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ።

ቁራዪሺ፡ ነቲ ኣብ ሶርያን ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለምን ዘሎ መርበባትን ጨናፍርን ናይቲ ጉጅለ ይመርሕ ምንባሩ ይግለጽ።

ሓደ ምስቲ ጉጅለ ርክብ ነይሩዎ ወይ ህላወ ቁራዪሺ ኣብቲ ህንጻ ይፈልጥ ነይሩ ዝተባህለ ስድራቤት'ውን ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ነይሩ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ዝቐረበሉ ሓበሬታ ድሕሪ ምግምጋም፡ ብሰሉስ እቲ ስርሒት ክካየድ ኣዚዙ።

ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኸኣ እቲ ስርሒት ብቐጥታ እናተኻየደ እንከሎ ብማንዛ ተኸታቲልዎ።

ምጭታት ካብቲ ቦታ ከምዝሓበርዎ፡ ብኣየር ዘጥቅዑ ፍሉያት ኣሃዱታት ኣመሪካ፡ ካብ ባይታ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎም ነይሩ።

ኣብ መካይን ዝተጻዕነ ጸረ-ነፈርቲ ኣንጻሮም ከም ዝተተኮሰ እቶም ጸብጻባት ገሊጾም።

እተን ኣመሪካውያን ሓይልታት ዝሓዛ ሄሊፖፕተራት ካብቲ ቦታ ምስ ኣልገሳ'ውን፡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተዂሲ ከም ዝቐጸለ ጠቒሶም።

ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ዝነበሩ፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይን፡ ሓያሎ ቆልዑን ኣብ ፈለማ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱ ሰበስልጣን ኣመሪካ ተዛሪቦም።

እንተኾነ ግን፡ "ቁራዪሺ ንገዛእ-ርእሱ፡ ከምኡ'ውን ኣንስትን ቆልዑን ዝርከብዎም ኣባላት ስድራቤቱን ዝለከመ ቦምባ ፈንጂሩ" ክብል ሓደ ብዓልስልጣን ከምዝተዛረበ ሮይተርስ ጠቒሱ።

"ዋላ'ኳ ጌና ንውጽኢት ናይዚ ስርሒት'ዚ ንግምግሞ እንተለና፡ ከምቲ ኣብ 2019 ንኣል-ባግዳዲ [መራሒ ዳዕሽ ነበር] ንምቕንጻል ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ዘጋጠመ ናይ ፈራሓት ሽበራዊ ስልቲ [ርእሰተ-ቅትለት] ዝበረ'ዩ ዝመስል" ኢሉ።

ቅድሚ ቁራዪሺ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ዝነበረ ኣቡባከር ኣል-ባግዳዲ፡ ኣባላት ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ቦንባ ብምፍንጃር ንርእሱን ሰለስተ ቆልዑን ምቕታሉ ይዝከር። ንሱ'ውን፡ ካብቲ ቁራዪሺ ዝተቐትለሉ 16 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ'ዩ ተቐቲሉ።

ሰብመዚ ኣመሪካ ከምዝበልዎ፡ ሓደ ካብ ሰዓብቲ ቁራዪሺ፡ ምስ ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ዓሪዱ ጸኒሕዎም። ንሱን ሰበይቱን፡ ምስ ወተሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ ምውግኦም ድማ ተቐቲሎም። ብድሕሪ'ዚ፡ ሓያሎ ቆልዑ ካብቲ ህንጻ ከምዝወጹን ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱን እቶም ስሞም ዘይተገልጹ ሓለፍቲ ጠቒሶም።

ክልተ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩን ኣብ ልዕሊ'ተን ናይ ኣመሪካ ወተሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ተዂሲ ዝኸፈቱን ዕጡቓት'ውን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ኩሎም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ኣባላት ኣሃዱ ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ፡ ብሰላም ናብ ቦትኦም ከምዝተመልሱ ፕረዚደንት ባይደን ገሊጹ።