ጊኒ ቢሳው፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ብዙሓት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ትርከብ ሃገረ ጊኒ ቢሳው ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብዙሓት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝሞቱ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኡማሮ ቺሶኮ ኢምባሎ፤ ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ከምዝኣተወ ብምግላጽ ነቲ ፈተነ ዕልዋ ኢሉ ዝገለጾ ተግባር "ፍሹል መጥቃዕቲ ኣንጻር ዲሞክራሲ" ኢሉ ገሊጽዎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቢሳኡ ትማሊ ሰሉስ ፕረዚደንት ኡማሮ ቺሶኮ ኢምባሎ ኣኼባ ሚኒስተራት እናኣካየደ እንከሎ'ዩ ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ቶኵሲ ክስማዕ ጀሚሩ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ወተሃደራት ንፕረዚደንትን ንሚኒስተራቱን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተውዎም ኸኣ ተገሊጹ።
ገለ ኸኣ ፕረዚደንት ኡማሮ ቺሶኮ ኢምባሎ ንቀዳማይ ሚኒሰትር ኑኖ ጎመዝ ናቢያም ኣብ ቤተ መንግስቲ ኮይኑ እናኣዘራረቦ እንከሎ እቲ ቶኵሲ ከምዝተኸፈተ ዝገልጹ ኣለዉ።
ሓደ መንነቱ ክግለጽ ፍቓደኛ ዘይኮነ ኣባል ጸጥታ እታ ሃገር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸደኑ ሰብ ብረት ቶኵሲ ብምኽፋት ሓደ ኣባል ፖሊስ ከምዝቐተሉ ገሊጹ።
መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እቲ ተግባር ፈተነ ዕልዋ ምዃኑ ብምግላጽ ነቶም ፈረነ ዕልዋ ዝገበሩ ወተሃደራት ናብ ቦቶኦም ክምለሱ ተማሕጺነሞም።
እንተኾነ ክሳብ ሕጂ እንታይ እዩ ኣጋጢሙን እቶም ሰብ ብረት እንታዎት'ዮም ዝብልን ከምኡ'ውን እቶም ፕረዚደንት ኡማሮ ቺሶኮ ኢምባሎ ተቐቲሎም ዝበሎም ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ክንደይ እዮም ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝኾነት ጊኒ ቢሳው ካብ 1980 ክሳብ ሎሚ ትሽዓተ ግዜ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይድላ ኣሎ።
እዛ ግዝኣት ፖርቱጋል ዝነበረት ጊኒ ቢሳው ገዚፍ ናይ ወጻኢ ዕዳ ዘለዋ ሃገር ኮይና ቁጠባኣ ብቀንዱ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝውሃባ ሓገዛት'ዩ ዝምርኮስ።
ብዘይካ እዚ፡ እታ ሃገር ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ነቲ ካብ ላቲን ኣመሪካ ዘበግስዎ ሓሺሽ ከም ቀንዲ መተሓላላፉ ገይሮም ከምዝጥቀሙላ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ኡማሮ ቺሶኮ ኢምባሎ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ነቶም ኣብ መስግጋር ዕጸ ፋርስ ዝነጥፉ ሰባት ዝፈጸምዎ ኣዝዩ ዝተወሃሃድን ምድላዋት ዝተገበረሉን" መጥቃዕቲ ምንባሩ ጥራይ ብምግላጽ ካልእ ተወሳኺ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ፕረዚደንት ኡማሮ ቺሶኮ ኢምባሎ፡ ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጸቢብ ብምስዓር'ዩ ኣብ ለካቲት 2020 ስልጣን ተረኪቡ።
ኣብ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ማሊ፤ ቡርኪናፋን ጊኒን ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ እንከሎ ኣብ ሃገረ ሱዳን'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ዑመር ሓስን ኣልበሽር ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







