ቡርኪናፋሶ፡ መስርሕ ፍርዲ ቅትለት ቶማስ ሳንካራ ተቛሪጹ

ቶማስ ሳንካራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ንቅትለት ነቲ ፍሉጥ ሰውራዊ መራሒ ቶማስ ሳንካራ ዝተጀመረ ከይዲ ቤት ፍርዲ ከምዝተቋረጸ ተፈሊጡ።

ቶማስ ሳንደካራ ኣብ 1987 እዩ ብቕንጸላ ተቐቲሉ።

እቲ ኣብ ከይዲ ዝነበረ ውዕሎ ፍርዲ ቀታሊ ቶማስ ሳንካራ ክቋረጽ ኣባላት ስድርኡ እዮም ሓቲቶም።

እቲ ሕተኦም ምስቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ንሳቶም ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ምስ ተመልሰ እቲ ጉዳይ ክቕጽል እዮም ዝጠልቡ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ትካል ምዕራብ ኣፍሪቃ [ኢኮዋስን] ነቲ ፍጻመ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኖም ነታ ሃገር ካብ ኣባልት ኣጊዶም ይርከቡ።

እንተኾነ፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ ኢኮዋስን ዝተውጻጸኡ ልኡኻን ዝሓዘ ጉጅለ ምስቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ንምዝርራብ ናብ ርእሰ ከተገማ እታ ሃገር፡ ኦጋዱጎ ኣምሪሖም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ነበር ቶማስ ሳንካራ ብዘስካሕክሕ መገዲ ካብ ዝቕተል 34 ዓመታት ተቖጺሮም ኣለዉ።

ምስ ቅትለት እቲ ‘ኣፍሪቃዊ ቼ ጉቬራ’ ብዝብል ዝፍለጥ መራሒ ብዝተሓሓዝ ዝጥርጠሩ 14 ሰባት ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ በዓል ግርማ ሞገስ ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ መራሒ ኣብ 15 ጥቅምቲ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ካብ ወተሃደራት ብዝተተኮሰ ጥይት ተቐቲሉ። ነዚ ስዒቡ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ብሌዝ ኮምፓዎሬ ናብ ስልጣን ደይቡ።

ቶማስ ኣርባዕተ ዓመታት ቅድሚ ቅትለቱ ምስ ኮምፓዎሬ ብምዃን ናብ ፕረዚደንትንት ዘብቅዖ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ነይሮም።

ኮምፓዎሬ ሓደ ካብ መንጎ እቶም 14 ተኸሰስቲ’ዩ ነይሩ። ኣብ 2014 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብታ ሃገር ንዝተወለዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ከኣ ጎረቤት ሃገር ናብ ዝኾነት ኣይቮሪኮስት ተሰዲቱ ክነብር ጀሚሩ። ንሱ ኣብ ቅትለት ቶማስ ሳንካራ ኢዱ ከምዘይሓወሰ ብተደጋጋሚ ብምግላጽ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ከምዘይርከብ ኣቕቢጹ’ዩ።

ሳንካራ ካብ ዝቕተል ነዊሕ ዓመታት’ኳ እንተተቖጸረ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ግን ከም ተምሳሌት ወይ ኣብነት ይቖጽርዎ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህብ ታክሲታት ብስእልታቱ ዝወቀባ’የን። ደቡብ ኣፍሪቃዊ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ጁሌት ማሌማ’ውን ካብ ሞንጎ ኣብ ህይወቱ ብኣብነት ዝወስዶም ሰባት ሳንካራ ሓደ’ዩ።