ግብጺ ሓተትቲ ዕቑባ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምምላስ ደው ከተብል ህዩማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ

ገንዘብ ኣይከፈልካን ተሂሉ ብግብጻውያን ዘሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣለላዊ ስቓይ ዝወረዶ ኤርትራዊ ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, HRW

መግለጺ ስእሊ, ገንዘብ ኣይከፈልካን ተሂሉ ብግብጻውያን ዘሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣለላዊ ስቓይ ዝወረዶ ኤርትራዊ ስደተኛ

ግብጺ ዕቑባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምምላስ ደው ከተብል ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ፡፡

እቲ ትካል ሎሚ ብሓሙስ 27 ጥሪ 2022 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ሰበስልጣን ግብጺ: ህጻናት ዝርከቡዎም ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይመልሱዎም ኣለዉ ክብል ከሲሱ፡፡

ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ሃገራ ዑቕባ ዝሓተቱ 24 ኤርትራውያን ናብ ኣስመራ መሊሳ ኣላ፡፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ እውን ካልኦት 15 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ተባሂሉ ነይሩ፡፡

ምክትል ዳይሬክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ጆ ስቶርክ ‘‘ግብጺ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ማእሰርትን ስቓይን ንዝጽበዮም ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ምምላስ ተቖጢባ ናይ ዑቕባ ምሕታት መሰሎም ክትፈቅድ ይግባእ’’ ክብል ኣተሓሳሲቡ፡፡

ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ ኣብ ግብጺ 20 ሽሕን 778 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኤርትራውያን ኣለዉ፡፡

ካብዚ ወጻኢ ቁጽሪ ኣብ ግብጺ ዝነብሩ ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ክንደይ ከምዝኾነ ኣይፍለጥን፡፡

ህዩማን ራይትስ ዎች ከምዝብሎ እቶም ብ15 ታሕሳስ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይተመዝገቡ እዮም ነይሮም፡፡

እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ማእሰርቲ፣ ስቓይን ናብ ዝረኽቡላን ንህይወቶም ሓደገኛ ናብ ዝኾነትን ትውልዲ ሃገሮም ብሓይሊ ምምላሳ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጻረር እዩ ኢሉ፡፡

ሰልፈኛታት ኣብ ካይሮ ፊት ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, samsom tekie/facebook

መግለጺ ስእሊ, ሰልፈኛታት ኣብ ካይሮ ፊት ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት

ብዘይካ'ዚ: ሰበስልጣን ግብጺ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ብተወሳኺ፡ ኣገልጋሎት ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ከይረኽቡ ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ፡፡

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ፡ ኣብ ዝተጨናነቐ ኩነታት እኹል ምግብን መድሃኒትን ተኸልኪሎም ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ እውን ህዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ፡፡

ካብቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝተገበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቶም ትሸዓተ ተኣሲሮምሉ ካብ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተወሰዱ ኮይኖም፡ እቲ ኤምባሲ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ፍቓደኛታት ከምዝኾኑ ዝገልጽ ሰነድ ተገዲዶም ክፍርሙ ከምዝገበሮም ጸብጻብ እቲ ተሓላቒ መሰላት የመልክት፡፡

እቲ ትካል እሙናት ምንጪታተይ ነጊሮምኒ ኢሉ ከምዝገለጾ፡ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይርደኦም ቋብቋ ዓረብኛ ኣብ ዝተጽሓፈ ሰነድ ስምምዕ ክፍርሙ ተገዲዶም እዮም፡፡

መንግስቲ ኤርትራ ዛጊድ ብዛዕባ ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝሃቦ ምላሽ የለን፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ካናዳ ምስግጋሮም ይዝከር።

ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ሰብመዚ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትጥርዝዎም ምሉእ ምድላዋት'ኳ ወዲኦም እንተነበሩ፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጎስጓስ ካብ ምጥራዝ ከምዝድሓኑ ተገሊጹ።