ስድራኣ 'ኣይነዛርበክን ኢና' ዝበልዋ ኣመሪካዊት ኣባል ኣይኤስ

ስድራ ነታ ቦጦሎኒ ደቂ ኣንስትዮ ኣይኤስ ትመርሕ ነይራ ብዝብል 'ብግብረ-ራዕዲ' ክሲ ዝተመስረታ ኣመሪካዊት፤ 'ኣይንሪኣን' ኢሎምዋ።

አኽበርቲ ሕጊ ንኣሊሶን ፍሉክ-ኢክራን ከምዝበልዋ፤ ኣብዝሓ ኣባላት ስድራኣ ከዛርብዋ ከምዘይደልዩ ንገሩልና ኢሎም።

ኣሊሰን ፍለክ-ኢክረን፡ ተቐማጢት ካንሳስ ዝነበረት ኣደ፡ ኣብ ሶርያ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣጠቓቕማ ኤኬ-47 ጠበንጃን ዓርሰ ቕትለት ንፍጻም ዝውዕል ሰደርያን ተምህር ነይራ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪቡላ።

ኣብ 2016 ራቃ ኣብ ዝባህለት ከተማ ሶርያ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝሓዘ ካቲባ ኑሰይባህ ዝተባህለ ቦጦሎኒ ከምዝተመስረተ እቲ ክሲ የመልክት፡፡

ኣብቲ እዋን እታ ከተማ ወግዓዊ ዘይኮነት ርእሰ ከተማ እቲ እስላማዊ ጉጅለ ነይራ፡፡

እቲ ቦጦሎኒ ንተዋጋእቲ ኣይኤስ ንዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝሓዘ ከምዝነበረ እዩ ዝንገር፡፡

ወ/ሮ ፍለክ-ኤክረን ናብቲ ጉጅለ ምስተሓወሰት መራሒትን ወዳቢትን እቲ ቦጦሎኒ ከምዝነበረት እያ እትጥርጠር፡፡

ንሳ ካብቲ ኣብ ሶርያ ዝነበራ ግደ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኮሌጃት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ብምምልማልን ብምትላምን ክሲ ቀሪብዋ፡፡

ኣብ ዓበይቲ ዕዳጋታት መጥቃዕቲ ነታጒ ክትፍጽም ድልየት ከምዘለዋ ከምዝተዛረበቶም ቃሎም ዝሃቡ መሰኻኽር እውን "ብዙሕ ሰብ እንድሕር ዘይቀቲልካ ሃብቲ ምብኻን እዩ" ኢላ ከምእትኣምን መንግስታዊ መዝገባት የመልክቱ።

ንናይ ወጻኢ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ብምሕጋዝን ሃፍቲ ብምትእኽኻብን ዝተኸሰሰን ፍለክ-ኤክረን፡ ገበነኛ ኮይና እንተተረኺባ ክሳብ 20 ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክፍረዳ እዩ፡፡

ነቲ መጋባእያ ዝተኸታተለት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ቪርጂንያ ከምዝበለቶ፡ እቲ ስድራኺ ክሪኡኪ ኣይደልዩን ዝብል ኣብቲ መጋባእያ'ዩ ተነጊርዋ።

ንሳ ድማ፤ ናታቶም ፍቓድ ከምእተኽብር ሓቢራ።

ብውሕዱ ክሳብ ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ ቀይዲ ከምእትጸንሕ እዩ ተሓቢሩ።

ብመንግስቲ ዝኽፈል ጠበቓ ክትቆጽር ከምእትኽእል ተነጊርዋ ኣሎ።

ኣብ ውልቃዊ ኦንላይን ኣድራሻኣ፡ ሕዚ'ውን ነባሪት ካንሳሳ ምዃና ዝገልጽ ኮይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሕታም 5 ሰነ 2010 ዝብል ይርከቦ።

ኣብ 2008 ናብ ቱርክን ግብጽን ተንቀሳቒሳ ምንባራ መረዳእታት ይሕብሩ። ሓለፍቲ መንግስቲ ከምዝብልዎ፤ ንሳ ካብኡ ምስ ሰብኣያ ኮይና ኣብ 2012 ናብ ሶርያ ኣምሪሓ።

ድሕሪ ቅትለት እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣያ ካልእ ኣብ ድሮናት ክእለት ዝነበሮ ዝተመርዐወት ኮይና፤ ንሱ ምስተቐትለ ድማ ካልእ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣይኤስ ተመርዕያ ተባሂሉ።