ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝዛመድ ዝተኣስሩ ብህጹጽ ክፍትሑ ሓቲቱ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ ትማሊ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝቐረበ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክለዓል ዝድንግግ ውሳነ ምትሕልላፉ ስዒቡ፡ በቲ ኣዋጅ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ኩሎም ብህጹጽ ክፍትሑ ሓቲቱ።

እቲ ኮሚሽን፡ እቲ ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ግእዝ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ኣዋጅ ክለዓል ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ምውሳኑ ዝናኣድ ምዃኑ ኣብቲ ትማሊ ኣምስዩ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣዋጅ ሓይልታት ትግራይ ብክልል ኣምሓራን ዓፋርን ደፊኦም ንብዙሓት ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን ጀሚሩ ተኣዊጁ ጸኒሑ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ ነበርቲ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኾይኖም ዝጠርጠርዎም ሰባት ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ዝፈቅድ ኮይኑ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ ከምዝነበሩ ቢቢሲ ንኣባላት ስድረኦም ጸሪሑ ጸብጻባት ምስርሑ ይዝከር።

መንግስቲ፤ 'ምስ ሓይልታት ትግራይ ርክብ ዘለዎም 'ምበር ብመንነቱ ዝተኣስረ የለን' ለዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ዳህሳስ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታትን ንጹህ ኣየር ዘይርከቦን ተዳጒኖም ምንባሮም መግላጹ ይዝከር እዩ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኩነታት እናተመሓየሸ ምምጽኡ ስዒቡ፡ እቲ ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዘብጸሖ ጽዕንቶ ብምግንዛብ ከከም ኣድላይነቱ ተገምጊሙ መአረምታ ክግበር ሓቲቱ ምንባሩ ኣብ መግለጺኡ ኣዘኻኺሩ።

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ነቲ ውሳነ ተቐቢሉ ከጽድቖ ብምትስፋው፡ "ፈጸምቲ ኣካላት መንግስቲ ምስቲ ኣዋጅ ብዝዛመድ ኣብ ቀይዲ ዘውዐሉዎም ሰባት ብህጹጽ ክፈትሑ ጻውዒት የቕርብ" ይብል።

"ባይቶ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝተልዓለ ምዃኑ ካብ ዝገልጸሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሰባት፡ ናብ ሕጊ እንተዘይቀሪቦም፡ ድሕሪ 48 ሰዓታት ማእሰርቶም ካብ ሕጊ ወጻኢ ስለዝኸውን፡ ኩሎም ኣካላት ፍትሒ: ሰብኣዊ መሰላት እቶም እሱራት ብዘኽበረ መልክዑ ጉዳዮም ብስሩዕ ቤት ፍርዲ ክርእዩሎም ይግባእ" ክብል ኣረዲኡ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ብዝብል ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝወጹ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ነቶም ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከምዝተኣዘዘ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እንተኾነ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መዋስንቲ ዶባት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሓሓሊፉ ግጭት ክረአ ጸኒሑ'ሎ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ-ምዕራብን ትግራይ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 100 ሰባት ምቕታሉን፡ ብሰንኩ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝተቛረጸን ትካላት ረዲኤት ገሊጸን ነይረን።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሓድሕድ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኾይኑ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝንሐ ጻዕርታት ዛጊድ ጭቡጥ ፍረ ኣይተረኽበሉን ዘሎ።