ብዕጡቓት ሑቲ-የመን ዝተጨውየ ኢትዮጵያዊ በዓልሞያ ጽገና መርከብ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ጽዕነት መራኽብ ቴክኒሻን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ኣየናቸው መኮነን ቅድሚ ሰሙናት ብዕጡቓት ሑቲ-የመን ካብ ዝጭወ ንደሓር ደሃዩን ድሕነቱን ከምዘሻቐሎም ቤተሰቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብሰንበት 24 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ናይ ስዑዲ ዓረብ ባንዴራ ዝሰቐለት “ራዋቢ” ዝተባሃለት መርከብ ጽዕነት፡ ካብ የመን - ሶኮትራ ተበጊሳ ናብ ስዒዲ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ’ያ ብዓመጽቲ ሑቲ ተጨውያ።

ኣብታ መርከብ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 11 ሰራሕተኛታት ድማ ኣየናቸው መኮነን ዝባሃል ኢትዮጵያዊ ከምዝርከቦም ክፍለጥ ዝተኸኣለ፡ ድሕሪ መዓልታት ናብ ቤተሰቡ ስልኪ ብምድዋሉ ነይሩ።

ኣየናቸው ኣብ የመን ሰንዓ ከምዝርከብን ዓመጽቲ ሑቲ ነታ መርከቦም ከምዝጨወይዋን ንቤተሰቡ ከምዝሓበረ ኣባል ስድርኡ ዝኾነት ፍሬህይወት መሓሪ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ጥሒላ ዘላ የመን፡ ኣብ ሞንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ስሙር ሓይልን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲን ኣብ ዝካየድ ኲናት’ውን ተቐርቂራ ትርከብ።

ዓመጽቲ ሑቲ እታ መርከብ ኣጽዋር ጽዒና ከምዝነበረት ክገልጹ ከለዉ፡ ስዑዲ ዓረብ ብወገና ኣብታ መርከብ ናውቲ ሕክምና ጥራሕ ከምዝተጽዓነ ክትሕብር ጸኒሓ’ላ።

ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዝኾነትን ብሃብቲ ነዳዲ ዝማዕበለትን ስዑዲ ዓረብ ምስ ዓመጽቲ ሑቲ ንዓመታት ኣብ ዝቐጸለ ጎንጺ ከምእትርከብ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ማእኸላይ ግዝፊ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መርከብ ምስተጨወየት ኣብ ጸገም ካብ ሞንጎ ዝወደቑ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ኢትዮጵያዊ ኣየናቸው ይርከቦም።

ኣየናቸው መኮነን ንዝሓለፉ 7 ዓመታት በዓልሞያ ጽገና (ቴክኒሻን) መርከብ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ትካላት ክሰርሕ ጸኒሑ’ሎ።

ናብ ስራሕ ክወፍር ከሎ ንኣዋርሕ ካብ ቤተሰቡ ተፈልዩ ከምዝጽንሕ ዝሓበረት ፍሬህይወት፡ ኣብ ሞንጎ ግን ናብ ቤተሰብ ብፍላይ ንበዓልቲ ቤቱ ስልኪ እናደወለ ከምዝራኸብ ገሊጻ።

እታ ናይ ስዑዲ መርከብ ምስተጨወየት ግን ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ድምጹ ጠፊኡ ብምጽንሑ ቤተሰቡ ተጫኒቖም ጸኒሖም’ዮም።

ድሕሪ ነዊሕ መዓልታት ስልኪ ዝደወለ ኣየናቸው፡ መርከቦም ኣብ ወሰን ባሕሪ የመን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዓመጽቲ የመን ከምዝኣተወንት ንሳቶም’ውን ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለዉን ነጊርዎም።

“ናብ በዓልቲ ገዝኡ ደዊሉ ሑቲ ብዝበሃሉ ሰባት ከምዝተጨወየ ነጊርዋ። ካብ ሞንጎኦም እቶም ሰራሕተኛታት መርከብ እቶም ሽድሽተ ህንዳውያን ከምዝኾኑን መንግስቲ ሃገሮም ከፍትሖም ይጽዕር ከምዘሎ’ውን ገሊጹላ” ትብል ፍሬህይወት።

ልክዕ ከምናይቶም ህንዳውያን በዓልቲ ቤቱ ናብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብምኻድ ንመንነቱ ዘረድእ ከምኡ’ውን ካብ ቴክኒሻንነት መርከብ ወጻኢ ካልእ ተሳትፎ ከምዘይብሉ ዘረድእ መረዳእታ ንኽተጽሕፍ ሓቲትዋ’ሎ።

በዓልቲ ገዝኡ ናብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እንተኸደት’ኳ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ የመን ኤምባሲ ከምዘይብላን ኣብቶም ኣብ የመን ዘለዉ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዝተኻየደ ኣለሻ ንኣየናቸው ምርካብ ከምዘይተኽኣለን’ዩ ተነጊርዋ።

ነዚ ስዒቡ ካብቲ ብዓመጽቲ ዝተትሓዘሉ ቦታ ኮይኑ ንኻልኣይ ጊዜ ስልኪ ኣብ ዝደወለሉ እዋን እቶም ምስኡ ዘለዉ መሳርሕቱ ካብ መንግስቲ ሃገሮም ንመንነቶም ዝገልጽ መረዳእታ ከምዝበጽሖምን ንሱ ግን ዝኾነ ሰነድ ከምዘይብሉን ከምዝተዛረበ ኣባል ቤተሰቡ ዝኾነት ፍሬህይወት ኣረዲኣ።

ኣብ 8 ጥሪ 2014 ኣ.ግ ናብ ቤተሰቡ ስልኪ ብምድዋል እቶም ዝጨወይዎም ዕጡቓት ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከምዘሰጋገርዎም ገሊጹሎም። እቲ ህንጻ ግን ሆቴል ከምዝኾነ ኣየናቸው ምዝራቡ ፍሬህይወት ሓቢራ።

ሮይተርስ፡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነታ ኣየናቸው ዝነበረላ መርከብ ኣስ-ሳሊፍ ኣብ ዝተባሃለ ወደብ ብርሕቐት ከምዝረኣይዋን ንሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከምዘዘራረቡን ብ4 ጥሪ 2014 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣየናቸው ኣቦ ክልተ ህጻናት ቆልዑ ከምዝኾነ ዝሓበረት እታ ቤተሰቡ፡ ኩነታት ድሕነቱን ሃለዋቱን ንምሉእ ስድራቤት ናብ ጭንቀት ከምዘእተዎም ኣረዲኣ።

ብዛዕባ እቲ ኩነታት ድማ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ትካል ክፈልጥ ከምዝገበሩን ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ከምዝሃቡን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እቲ ኣገልግሎት ጽዕነት ዝህብ ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ትካል፡ ብዛዕባ ኩነታት ድሕነትን ሃለዋትን እቶም ሰራሕተኛታት ሓበሬታ እንተሃለዎ መብርሂ ክህብ ብዝብል፡ ቢቢሲ ብኢመይል ሕቶ ዘቕረበሉ ኮይኑ ዛጊድ ግን ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ኣየናቸው ናብ ቤተሰቡ ስልኪ ኣብ ዝደወለሉ እዋን ምስቲ ዘስርሖ ትካል ክራኸብ ከምዘይከኣለ ምግላጹ ፍሬህይወት ኣዘኻኺራ’ላ።

ንሱ ምስቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ናይ መርከብ ጽዕነት ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሕ ውዕሊ ኣሲሩ ነይሩ። እታ መርከብ ዝተዓገተትሉ እዋን ከኣ ኣብቲ ትካል ካብ ዝቑጸር 8 ወርሒ ከምዝመልኦ ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ይፈልጥን ይከታተሎን ምህላዉ ንምፍላጥ ዝገርናዮ ፈተነ ክሰምረልና ኣይከኣለን።