ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንዘቕረበቶ ጥርዓን ኣወንዚፍዎ

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም 'ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ኢትዮጵያ ሞያዊ ስነ ምግባር ብምጥሓስ ሻራውነት ኣርእዩ' ብምባል መርመራ ክግበረሉ ንዘቕረበቶ ሕቶ ኣብ ካልእ እዋን ውሳነ ክወሃቦ'ዩ ብምባል ከምዝተናወሐ ሰብመዚ'ቲ እቲ ትካል ተዛሪቦም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

ላዕለዋይ ኣባል ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ፓትሪክ ኣሞዝ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ነቲ ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝቐረበ ሕቶ ዝርእየሉ ግዜ ከምዘናዎሖ ተዛሪቡ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ናብታ መበቆሉ ዝኾነት ትግራይ ሕክመናዊ ንዋት ንኸእቱ ተደጋገሚ ሕቶ'ኳ እንተኣቕረበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይሃቦም ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ምግላጹ ይዝከር።

ፓትሪክ ኣሞዝ ንውሳነ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ፖሎቲካዊ ድፍኢታት ዘለዎ ኣዝዩ ዝተሓላላኸ'ዩ ብዓቢኡ ድማ ካብ ንቡር መስርሕን ስምምዕን እዚ ኮሚተ ወጻኢ'ውን እዩ" ኢሉ።

ነቲ ውሳነ ብምልኦም እቶም 34 ኣባላት ቦርድ እቲ ውድብ ከምዝደገፍዎ'ውን ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብ14 ጥሪ'ዩ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ሂቡን ንናጽነትን ተቐባልነትን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ ብምባል ጉዳዩ ክምርመር ናብ ቦርድ እቲ ውድብ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ዶ/ር ቴድሮስ ግን ብዛዕባ ትግራይ ዝሃቦ መግለጺታት ሓቂ ምዃኑን፡ ዋላ'ኳ ትግራዋይ እንተኾነ ጸግዒ ከምዘይወሰደ'ዩ ዝምጉት።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፡ ንውሳነ ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ ንሮይቶርስ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ውድብ ኣብቲ ዝተልዓለ ሕቶ ዘለዎ ሻራዊነት ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣንጻር ሓላፊ ናይቲ ትካል ዝኾነ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከቕርቦ ዝፈተነ መደረ ብሰብመዚ እቲ ትካል ከምዝተኸልከለ'ውን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዶ/ር ቴድሮስ፡ "ቤት ጽሕፈቱ፡ ብዋጋ ረብሓ ኢትዮጵያ ንውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ የውዕሎ ኣሎ" ክብል ዝኸሰሰ ወኪል ኢትዮጵያ "ኣብ ቅድሚ'ዚ [ቦርድ] መግለጺ ከስምዕ ልኡላዊ መሰለይ እዩ" ኢሉ።

ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ትግራዋይ ዝኾነ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ምስ ህወሓት ይተሓባበበር'ዩ ዝብል ክሲ ብምቕራብ ንዝመጽእ እብረ ከይምረጽ ክጉስጉሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ዶ/ር ቴድሮስ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበረ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ጥዕናን ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ዘገልገለ'ዩ። ነቲ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት ዝግበር ምርጫ ዋና-ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝወዳደር እንኮ ሕጹይ ኮይኑ ብሓያሎ ሃገራት ተሓጽዩ ምህላዉ ይፍለጥ።