ኮቪድ-19፡ ብፍታዋ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈት ድምጻዊት ህይወታ ሓሊፉ

ሃና ሆርካ

ምንጪ ስእሊ, Jaromír ZAJDA Zajíček

ኣብ ቼክ ሪፓብሊክ ብባህላዊ ሙዚቃ እትፍለጥ ድምጻዊት ብፍታዋ ብኮቪድ ድሕሪ ምልካፋ ህይወታ ከምዝሓለፈ ወዳ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ጓል 57 ዓመት ሃና ሆርካ ክታበት ዘይወሰደት ኮይና ብኮሮናቫይረስ ምልካፋ ዘረጋግጽ መርመራ ድሕሪ ምግባራ ጥዕናኣ ይመሓየሽ ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምጽሓፋ ድሕሪ ክልተ መዓልታት እያ ሞይታ።

ወዳ ጃን ረክ ንቢቢሲ ኣብ ዘሃቦ ርእይቶ፡ ንሱን ኣቦኡን በቲ ቫየረስ ምስ ተለኽፉ ንሳ በቲ ቫይረስ ተለኺፋ ምንባራ ዘረድእ ሰነድ ንምርካብ ኮነ ኢላ ክትልከፍ ከምዝገበረት ተዛሪቡ።

ቼክ ሪፓብሊክ ብረቡዕ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣመዝጊባ ኣላ።

ጃን ረክን ኣቦኡን ምሉእ ክታበት ወሲዶም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት እዮም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

"ንሕና ከም ዝተለኸፍና ምስ ተረጋገጸ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ካባና ክትርሕቕ ነይርዋ። ካባና ኣይትፍለን እያ ነይራ" ኢሉ።

ኣብ ቼክ ሪፓብሊክ ከም ሲነማ፡ ቤት መስተን ቤት ሻሂን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ህዝባዊ ስፍራታት ንምእታው ናይ ክታበት ወይ ከኣ ኣብ ቀረባ እዋን ካብቲ ቫይረስ ነጻ ከምዝወጻኻ ዘረጋግጽ ሰነዳት ክተርእይ ትግደድ።

ንሳ ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝለጠፈቶ ጽሑፍ ትሓውይ ከም ዘላ ብምጥቃስ "ሕጂ ሲነማ፡ ሳውና፡ ኮንሰርት ክህሉ እዩ" ኢላ።

ሰንበት ንግሆ (ዝዓረፈትሉ መዓልቲ) ሆርካ ደሓን ከም ዘላ ብምዝራብ ምንቅስቓስ ንምግባር ንደገ ክትወጽእ እናተዳለወት እንከላ ኣብ ሕቖኣ ቃንዛ ስለዝተሰምዓ ናብ ዓራታ ከይዳ ደቂሳ።

"ድሕሪ 10 ደቂቕ መፈጸምታ ኩሉ ኮይኑ. . . ተዓቢሳ ህይወታ ሓሊፉ" ክብል ወዳ ተዛሪቡ።

ንሳ ወላ'ኳ ክታበት እንተዘይወሰደት፡ ነቲ ብዛዕባ ክታበታት ኮቪድ ዝበሃል ዘረባታት ትኣምነሉ ከምዘይነበረት'ውን ገሊጹ።