ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ጥሮታ፡ ዕድመ ንትምህርቲ ከምዘይግድቦ ዘርእዩ ዘለዉ ኣርካናት

ዩኒቨርሲቲ ዝብል ቃል እንትንሰምዕ፡ ብኣብዝሓ ኣብ ክሊ ዕድመ ዕስራታት ዝርከቡ መንእሰያት ተምሃሮ ቅጅል ይብሉና ይኾኑ።

ኣብቲ ቀጽሪ እንርእዮም ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባት ድማ መምህራን ወይ ሰራሕተኛታት እምበር፡ ተምሃሮ ይኾኑ ኢልና ኣይንሓስብን።

ኮይኑ ግና ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምንባር ዕድመ እናወሰኸ ይመጸሉ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ድሕሪ ጥሮታ ዝተረፈ ዕድሚኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ እናተምሃሩ ከሕልፍዎ ይመርጹ ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቢዓመቱ 24 ጥሪ ኣብ ዘኽብሮ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ትምህርቲ፡ ቢቢሲ ኣብ ኢንዶኔዥያ፣ ካናዳ፣ ብራዚልን ኣውስትራልያን ንዝነብሩ ኣርባዕተ ብዕድመ ደፊኦም ዝተመረቑ ሰባት፡ ንምንታይ ትምህርቲ ናይ ዕድመ ልክዕ ምርጭኦም ገይሮም ከምዝወስድዎ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።

ብራዚል: 'ሕዚ እውን ዝሓሸ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ክንሕግዝ ንኽእል ኢና'

ኣንቶንያ ላንድግራፍ፡ ጓል 70 ዓመት ተምሃሪት እያ። እዛ ኣብ ማእከላይ ብራዚል እትነብር ጥሮተኛ ኣብ ማቶ ግሮሶ ዩኒቨርሲቲ ትመሃር።

"ቅድሚ 10 ዓመት ካብቲ ኣብ ባንኪ ብራዚል ዝነበረኒ ስራሕ ጥሮታ ምስወጻእኩ፡ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ኣይከኣልኩን" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"በዓል ቤተይ ከብቲ እዩ ዘራብሕ፤ ክሕግዞ ከኣ ይደሊ። ግን ድማ ሓድሽ ነገራት ምምሃር ንኣእምሮይ ብስራሕ ክጽመድ ይሕግዘኒ። ስለዚ ኣብ መጀመርታ ጂኦግራፍን ኣካውንቲንግን ኣጽኒዐ" ትብል።

እዚ ቅድሚ 10 ዓመት እዩ። ድሕሪኡ ኣግሮኖሚክስ ምጽናዕ ቀጺላ።

መጀመርታ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ትሓስብ ከምዘላ ንመሓዙታ ምስነገረቶም፡ ዓቢዳ እያ ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም።

"ገሊኦም ግዘ ምጥፋእ እዩ ኢሎም፤ ኣነ ግን ንናተይ ትውልዲ ገና ዘበርክቶ ነገር ከምዘሎን ነቲ ማሕበረሰብ ነገራት ኣብ ምምሕያሽ ክሕግዙን ይኽእሉ እዮም ኢለ እየ ዝኣምን።"

"ኣእምሮኻ ክፉት ምግባር እውን ናይ ጥዕና እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ሓድሽ ነገራት ንምምሃር ኣይደንጎየን።"

እንተኾነ ኣብ ናታ ዕደመ ናብ ክፍሊ ምእታው ቀሊል ነገር ኣይነበረን። ኣብቲ እትመሃረሉ ክፍሊ እታ ብዕድመ ዝዓበየት ምንባራ እውን ዘገርም የብሉን።

"ዋላ ካብ መምህራነይ እየ ዝዓቢ ነይረ፤ እዚ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታት'ውን ኣሎ። ሶፍትዌራትን መተግበሪታትን. . . እቲ ለበዳ ምስ መጸ ምስ ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ተቓሊሰ- ገለ እዋን 'ሎግ ኢን' ምግባር እውን ዘደናግር እዩ ነይሩ" ትብል።

ኮይኑ ግና ንኹሉ ቀልጢፋ ለሚዳቶ፤ መራሕ-ቅዲ ንምዃን እውን በቒዓ።

"በቲ ዝሰርሖ ዘለኹን ገለ መሓዙተይ እውን ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ብምውሳኖምን ይሕበን፤ ብዙሓት ክስዕቡ እውን ተስፋ ይገብር።"

ኣወስትራልያ: 'ትምህርቲ መንእሰይ እዩ ዝገብረካ'

ጓል 88 ዓመት ሩት ዊልሰን፡ ኣብ ዛንታታት ብሪጣንያዊት ደራሲት ጄን ኦስትን ተመርኲሳ ናይ 3ይ ዲግሪ (ፒኤችዲ) ትምህርታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ዛዚማ።

እዚ ንዓኣ "ዘደንቕ ተሞክሮን" በዓል ብዙሕ ረብሓን እዩ ነይሩ።

"ትምህርቲ መንእሰይ እዩ ዝገብረካ" ትብል ዶ/ር ሩት።

"ብዙሓት ሓደሽቲ፣ ዘሐጉሱን ዘነቓቕሑን ነገራት ትመሃር፤ ልምድኻ ምስ ነባራዊ ዓለም ዝተኣሳሰረሎም መገዲታት ትረክብ። ንዓይ 20 ዓመት ካብ ዕድመይ ከም ምቕናስ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።"

ኣዶ ኣርባዕተ ቖልዑ ዝኾነት ዶ/ር ሩት፡ ሓሙሽተ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ደቅን ሸሞንቲ ደቂ ደቂ ደቅን ኣለዉዋ።

"ደቀይ ብዘደንቕ የበረታትዑኒ ነይሮም፤ ኣነ ናብ ትምህርቲ ምምላሰይ ጽቡቕ ከምዝኾነ እዮም ሓሲቦም። ሓንቲ ጓለይ ፒኤችዲ ስለዝነበራ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ስርዓት ክፈልጥ ሓጊዛትኒ።"

"ፒኤችዲ ዘለዋ ጓል ውላደይ እውን ኣላትኒ፤ መጽናዕታዊ ጽሑፈይ እንተዳሉ ኣብ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ሓጊዛትኒ።"

"ንመወዳእታ ግዘ ትምህርቲ ዝተመረቕኩሉ 1979 ብምንባሩ ኩሉ ነገር ናዓይ ሓድሽ እዩ ነይሩ።"

ካናዳ: 'ታሪኻት ህይወት ሕዚ እውን ይጸሓፉ ኣለዉ'

ጓል 70 ዓመት ሎዊዝ ካመንዝ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንምንታይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከምዝኸዱ ክትፈልጥ ትደሊ ነይራ፤ ሽዑ ባዕላ ክትፍትኖ ወሲና።

ንሳ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከብ ዮርክ ዩኒቨርሲቲ: ብትምህርቲ ንዓበይቲ ዶክትሬት ዲግሪ ረኺባ።

ካብ ክሊ ዕድመ 50 ክሳብ 60 ኣብ ዝርከባ ሸውዓተ ኣንስቲ ብዝገበረቶ መጽናዕቲ፡ መብዛሕተአን ናብ ትምህርቲ ዝተመለሳሉ ምኽንያት ብኸፊል መንግስቲ: ዓበይቲ ብዘይ ክፍሊት ክመሃሩ ስለዝገበረ ምዃኑ ረኺባ።

ንሎዊዝ ግን ካልእ ዘለዓዓላ ረቛሒ ነይሩ።

"ካብ ቤተሰበይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተኹ ብሕታዊት ሰብ እየ። ብስርዓተ ትምህርቲ ኣቢልካ መገድኻ እትድህስሰሉ ስነ ሓሳብ ሓዱሽ እዩ ነይሩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብ ፋብሪካ ይሰርሑ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት ዝተወለደት ሎዊዝ፡ ስድራኣ ናይ ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርታ ክሽፍኑላ ብዘይምኽኣሎም፡ ምስዓበየት እያ ነቲ ዕድል ረኺባቶ።

ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ንዓኣ እውን ነገራት ክኸብዱ ከምዝገበሮም ትገልጽ።

ዕላማ ናይቲ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ነቲ ሰባት ምስ ዓበዩ ናብ ትምህርቲ ክኸዱ ኣይኽእሉን ወይ የብሎምን ዝብል ኣበሃህላ ንምስባር ከምዝኾነ እውን ትገልጽ።

ኢንዶኔዥያ : 'ሐዚ እውን እንተኽኢልና፡ ፈጺምና ምምሃር ደው ክነብል ኣይግባእን'

ወዲ 87 ዓመት ላ ኦዴ መሓመድ ሲዲቅ ኣብ ኢንዶኔዥያ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቡተን ቅድሚ ክልተ ዓመት ተመሪቑ።

ንዕኡ ሕልሙ ዝተግሃደሉ እዋን እዩ።

ሐዚ እውን ግን ትምህርቲ ክቕጽል ድልየት ኣለዎ።

ኩሉ ሻብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ድልየት ዝነበሮ እቲ መምህር ነበር፡ ንትሸዓቱ ደቁ ክቕልብ ክብል ግን ነቲ ሕልሙ ንጎኒ ገዲፍዎ ጸኒሑ።

ኣብ 2012 ግና እቲ ዓቢ ወዱ ናብ ኮሌጅ ክኣቱ ደፋፊእዎ።

ወዲ 78 ዓመት ምስኮነ ትምህርቲ ጀሚሩ፤ ኮይኑ ግና ክልተ ዓመት ምስተምሃረ ሓሚሙ።

"ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ሓሚመ፤ ናይ ፕሮስቴት መጥባሕቲ እውን ገይረ" ክብል ላ ኦዲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ተስፋ ዝቖርጽ ኣይነበረን፤ ቤተሰቡ እውን ሓጊዞምዎ።

ኣብ መዓልቲ ምረቕኡ ሓቢራቶ ዝተረኸበረት ላላ ዝተብሃለት ጓል ውላዱ፡ ላ ኦዲ ወላ ሓንቲ መዓልቲ ኣማሪሩ ከምዘይፈልጥ ተዛሪባ።

"ኩሉሻብ እዩ ናብ ትምህርቲ ዝኸይድ፡ ዋላ ሓደ ሓደ ግዜ እንተሓመመ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኩሉሻብ ክኸይድ ይፍትን" ኢላ።

ላ ኦዲ ተምሃራዩ ዝነበረ መምህር ዩኒቨርሲቲ መመረቒ ጽሑፉ እናሓገዞ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ቀዳማይ ዲግሪኡ ረኺቡ።

"ኣዝየ እየ ዘመስግኖም፤ ጸቡቓት ሰባት ክኾኑ ምሂረዮም እየ። ሐዚ ድማ እቲ ፍልጠት መሊሶም ኣረኪቦምኒ።"

"ክሳብ ዝኸኣልና ፈጺምና ምምሃር ጠጠው ክነብል የብልናን። ግዘን ገንዘብን እንተረኺበ፡ ሐዚ እውን ማስተርስ ክመሃር እደሊ" ኢሉ።