እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ መቐለ ተወሳኺ ርክብ ኣካይዱ
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ።
ኦባሳንጆ ትማሊ ሰሉስ ናብ ርእሰከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከምዝኣተወ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ሓቢሩ።
"ምስ መራሒ ትግራይ [ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል] ጽቡቕ ምይይጥ ኣካይዶም ክኾኑ ተስፋ እገብር" ክብል'ውን ጽሒፉ።
እቲ ንክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ንምትዕራቕ ዝጽዕር ዘሎ ኦባሳንጆ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን ብውሕዱ ክልተ ግዜ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር። እንተኾነ ግን፡ ብወገን መንግስቲ ኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ'ዚ ናይ ትማሊ ጉዕዞ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኣቶ ጌታቸው ከምዝበሎ ግን፡ ድሕሪ'ቲ ናይ መቐለ ርክብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ'ሎ።
ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኦባሳንጆ ካብ መቐለ ድሕሪ ምብጋሱ፡ ኣብ ናይ ደቓይቕ ግዜ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመ ጠቒሱ።
ብወገን ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ደብዳብ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
እንተኾነ ግን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ቀጻሊ ደብዳባት ነፈርቲን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን (ድሮናት) ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ናይቶም ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝተፈናቐሉ ሰባት ዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ልዕሊ 56 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብሰሉስ ድማ ኣብ ማይ-ጸምሪ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ'ውን ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።
ቅድሚ'ውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ ሰለሰተ ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።
ኦባሳንጆ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተዘራሪቡ ምንባሩ'ውን ይግለጽ።
እዚ ናይ ትማሊ ጉዕዞኡ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብተን ጎረባብቲ ክልላት ድሕሪ ምውጽኦም ንፈለማ እዋን'ዩ ተኻይዱ ዘሎ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ክልቲኦም ወገናት ምቁራጽ ተጻብኦታት ከካይዱ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰለጦን ዘሎ።
ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ይፍለጥ።
ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት መዝነቱ ዘርክብ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀይኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን'ውን ነቲ ግጭት ንምህዳእ ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣመሪካ፡ ንፈልትማን ብምትካእ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን ንኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ መዚዛ'ላ።
ኣምባሳደር ፈልትማን መዝነቱ ቅድሚ ምርካቡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ብመሰረት ጠለብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ተዛሪቡ።
ብወገን ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ መገሻ ፈልትማን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ቻይና ብወገና ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታትን ንምህዳእ ንፈለማ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ ምዃና ኣብቲ ዞባ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።