ኣሜሪካ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ሓደ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ሓደ ዓቢ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ፤ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ ካልኦት 32 ሰባት ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካብቶም ሆስፒታል ኣትዮም ዘለዉ ብዙሓት ብጽኑዕ ዝተሃሰዩ ምዃኖም ከንቲባ ኒው ዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ ገሊጹ።

ኮምሽነር መጥፋእቲ ሓዊ እታ ከተማ ዳንኤል ኒግሮ ብወገኑ፡ ኣብቲ 19 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደርቢ እቲ ህንጻ ብሰንኪ ብርቱዕ ትኪ ዝተሰነፉ ግዳያት ይረኽቡ ምንባሮም ገሊጹ።

እቲ ኮምሽነር ንማዕከን ዜና ኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብሰንኪ ባርዕ ዝሰዓበ ሞት፡ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ካብ ዝርኣየቶ እቲ ዝኸፈአ ምዃኑ ገሊጹ።

ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት'ውን ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ሓደ ህንጻ ብዘጋጠመ ባረዕ 8 ህጻናት ዝርከብዎም 12 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ።

እቲ ናይ ከተማ ኒው ዮርክ ባርዕ፡ ብሰንበት ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ከምዘጋጠመን ንካልኣይን ንሳልሳይን ደርቢ [ደብሪ] እቲ ህንጻ ዝበዝሐ ክፋሉ ከምዝሃሞኾን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም፡

እቲ ባርዕ ብሰንኪ ናይ ኤለትሪክ መውዓዩ ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለጹ እቶም ሰብ መዚ ኣስታት 200 ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ከምዝተዋፈሩ ሓቢሮም።

ኮምሽነር ዳንኤል ኒግሮ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ክልተ ደርብታት'ኳ እንተነበረ፡ እቲ በቲ ባርዕ ዝሰዓበ ትኪ ግን ንብምሉኡ እቲ ህንጻ ከምዝዓብሎኾ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ንሱ ብምስዓብ፡ ብዘይካ እቶም ዝሞቱ 19 ሰባት "ኣብ ነብሲ ወከፍ ደርቢ ንዝጸንሑና ግዳያት ዘድሊ ሓገዝ እናሃብና ናብ ሆስፒታል ከምዝኸዱ ገይርና ኣለና፡ ኣብ ሞንጎኦም ኸኣ ኣዝዮም ዝተወጽዑ ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ ጥቃ እቲ ህንጻ ዝነብር ጆርጅ ኪንግ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰባት ብሞሳኵቲ ተቐልቂሎም ሓገዝ ክሓቱ ከምዝርኣየ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ከንቲባ ኒው ዩርክ፡ ስቴፈን ሪንገል ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሓፈሻ 63 ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ብምግላጽ፡ 32 ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ካብኦም ከኣ እቶም 13 ብጽኑዕ ዝተሃሰዩ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።

ኣመሓዳሪት እታ ከተማ ካቲ ሃቹል ነቲ ሓደጋ "ታራጀዲ'ዩ" ኢላ ብምግላጽ ንኹሎም ግዳያት ንምሕጋዝን ንምኽሓስን ምምሕዳራ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጻ።

እታ ኣመሓዳሪት ብምስዓብ "ሓዲሽ ገዛ ንኽረኽቡ ገንዘባዊ ሓገዝ ክግብረሎም እዩ፡ ንናይ ቀብሪ ወጻኢታቶም'ውን ከተማና ክሽፍነሎም'ዩ" ኢላ።

ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ህንጻ፡ ዝብዝሑ ስደተኛታት ኣመንቲ እስልምና ዝነብርዎ ዝነበሩ ህንጻ ኮይኑ መብዛሕትኦም ካብ ጋምብያ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም ዝኣተዉ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።