እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ፡ ኣብ ፈረንሳይ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣንፃር ሓድሽ ሕጊ እገደታት ተቓውሞ ኣስሚዖም
ንኮሮናቫይረስ ዝወፅአ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ስዒቡ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ይካየዱ ኣብ ዘለዉ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ልዕሊ 105 ሽሕ ሰባት ከምዝተሳተፉ ሰብመዚ ፈረንሳይገሊፆም።
እቲ ኣብታ ሃገር ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ረቒቕ ሕጊ፡ ዘይተኸተቡ ሰባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከይርከቡን ኣገልግሎት ከይረኽቡን ዝእግድ እዩ።
ኣብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ፓሪስ ዝወፁ ሰልፈኛታት፡ " ኣይፋል፡ ንመለለይ ካርዲ ክታበት!" ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ተቓውምኦም ኣስሚዖም።
ሰብመዚ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ኣብ ገለ ከባብታት ዝተኻየዱ ሰልፍታት ናብ ጎንፂ ብምምርሖም፡ 34 ሰልፈኛታት ከምዝተኣሰሩን 10 ሰብመዚ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን ገሊፆም።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ታሕታዋይ ባይቶ እታ ሃገር ተቐባልነት ዝረኸበ ረቒቕ ሕጊ፡ ሰባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣገልግሎት ንምርካብ ካብ ኮቪድ-19 ናፃ ምዃኖም ውፅኢቶም ከርእዩ ይግባእ ንዝብል ኣማራፂ ሕጊ፡ ክኣልዮ ይኽእል እዩ።
ኣብ ክንድኡ ድማ፡ ሰባት ኣብ ኣብያተ ምግብን እንዳመስተን ሓዊሱ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣገልግሎት ንክረኽቡ፡ ሙሉእ ክታበት ኮቪድ ዝተኸተቡ ምዃኖም ከርእዩ ግድን ይኸውን።
መንግስቲ እታ ሃገር እዞም ሓደሽቲ ሕግታት ካብ 15 ጥሪ ተግባራዊ ንምግባር ትፅቢት'ኳ እንተገበረ፡ እቲ ብተቓወምቲ ዝተዓብለለ ሰነት (ላዕለዋይ ባይቶ) ግና ነቲ መስርሕ ከደናጉዮ ይኽእል'ዩ።
እቶም ትማሊ ቀዳም ተቓውሞ ዘስምዑ ሰልፈኛታት ግና፡ መንግስቲ ንነፃነትና ይረግፅን ዜጋታት ብኣድልዎ የገልግልን ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።
ካልኦት ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ "ንዘይተኸተቡ ሰባት ከጸግመሎም'የ" ዝበለ ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ቁጠዐኦም ገሊፆም።
ካብ ሞንጎ እቶም ሰልፈኛታት ሓደ ኣማሓዳሪ ሆስፒታል ቨርዢኑ ሃውገት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ርኢቶ ማክሮን "ተኹታኺ ፀርፊ'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ 18 ሽሕ ሰልፈኛታት ዝተሳተፉ እንትኾኑ፡ ሰልፈኛታት "ክነሕርቐካ ኢና" ክብሉ ኣንፃር እቲ ፕረዝደንት ቅዋሞም ኣስሚዖም።
ኣብ ገለ ከባብታት ኣብ ሞንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ዝነበረ ቈይቊ ናብ ጎንፂ ከምዘምርሐ ዘርእይ ምስሊ ብተለቬዥን ተመሓላሊፉ'ዩ።
ኣብ ሞንፖሊየር ከኣ፡ ሰብመዚ ንሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም።
እዚ ናይ ሎሚ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 18 ታሕሳስ ዝተኻየዱን 25 ሽሕን 500 ሰባት ዝተሳተፍሉን ሰልፊ ተቓውሞ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ዝዓበየ'ዩ።ፈረንሳይ ኣብ ኣውሮጳ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ዜጋታታ ክታበት ኮቪድ ብምኽታብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
እዚ ኮይኑ'ውን ግና፡ ንለበዳ ኦሚክሮን ስዒቡ ኣብታ ሃገር ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ይውስኽ ኣሎ።
ፈረንሳይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ ዘመዝገበት ኮይና፡ ትካላት ጥዕና እታ ሃገር'ውን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ጥሒለን ኣለዋ።
ገለ ሆስፒታላት እቶም 85 ሚእታዊት ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሕሙማት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይወሰዱ ምዃኖም ኣፍሊጠን።