ፖሊስ ኒጀር ኣብ ውሽጢ መኪና ሓደ ከንቲባ 200 ኪሎ ግራም ኮኬይን ሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ኒጀር ኣብ ተሽከርካሪት ናይ ሓደ ከንቲባ ልዕሊ 200 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ በረኻ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።
እቶም ብስም ዘይተጸርሑ ክልተ ተጠርጠርቲ ነቲ መደንዘዚ ዕጸ ፋርስ ካብ ማሊ ናብታ ሃገር ምስ ኣተወ ናብ ሊብያ እንተጓዕዝዎ እዩ ተታሒዙ ተባሂሉ።
ፖሊስ ኤጀንሲ ዕጸ ፋርስ ኒጀር ከምዝበሎ፡ እቲ ኮኬይን ክሳብ ሕዚ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተትሓዘ መጠን ዕጸ ፋርስ ዝለዓለ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ ዕጸ ፋርስ ሒዝካ ምንቅስቓስ ዝተለምደ እናኾነ መጺኡ ኣሎ።
ብረቡዕ ማእከል ቤት ጽሕፈት ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ኒጀር ከምዝበሎ፣ ልዑል መጠን ዘለዎ ኮኬይን በታ ሃገር ኣቢሉ ናብ ሊቢያ ክሰጋገር ምጽንሑ ከምዝፈልጥን ፖሊስ ኣሰር እቶም ጥርጡራት ክከታተል ከምዝጸንሐን ገሊጹ።
በዚ መሰርት ድማ፤ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ብድምር 214 ኪሎግራም ዝምዘኑ 199 ሻንጣታት ኮኬይን፡ ኣብ ውሽጢ ተሽከርካሪት ከንቲባ ከተማ ፋቺ ከምዝተትሓዘ ወሃቢ ቃል ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ናና ዑስማን ባኮ ኣረዲኡ።
እታ ተሽከርካሪ ብሰንበት ኣብ ቀይዲ እንትትውዕል ካብ ፋቺ ተልዒላ ናብ ሊቢያ ከተማ ዲርኮ ተምርህ ነይራ።
"ሃገርና ክንድዚ ዝኣክል ልዑል መጠን ዘለዎ ኮኬይን ክትሕዝ ንፈለማ እዋን እዩ" ኢሉ እቲ ወሃቢ ቃል።
ንሱ ወሲኹ'ውን፤ እቲ ዕጸ ፋርስ ኣብ መወዳእታ ናብ ኣውሮጳ ዘምርሕ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ ደገ ብዝሽወጥ ዋጋ ግምቱ ኣስታት 19 ሚሊየን ዶላር ከምዘውጽእ ተሓቢሩ።
እቲ ከንቲባን ሹፌሩን ናብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ዝኾነት ኒያሚ ንቃለ መሐትት ተወሲዶም ከምዘለዉ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ፋቺ ካብ ከተማ ሰሜናዊ ኣጋዴዝ ኣስታት 400 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ በረኻታት ቴነር ትርከብ ከተማ እያ። ብቴምርን ጨውን ንጡፍ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ድማ ትፍለጥ።
እቲ መስመር፡ ብተደጋጋሚ ኣብ መንጎ ደቡብ ኣመሪካን ኣውሮፓን ዕጸ ፋርስን ስደተኛታትን ንምስግጋር ከምኡ'ውን ንካልኦት ዘይሕጋዊ ነገራት ንጉዕዓዝ እዮም ዝጥቀምሉ ተባሂሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







