ቲክቶክ ብብዝሒ ተጠቀምቲ ካብ ጉግል ምብላጹ ተሓቢሩ

ብዝሒ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ካብ ናይ ጉግል ተገልገልቲ ከምዝዛየደ ተገሊጹ።

እቲ ናይ ቪድዮ መተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ካብቲ ሓበሬታታትን ካልእን ንምእላሽ ዘገልግል ገጽ ጉግል ብዝበለጸ ሰባት ይጥቀሙሉ ምህላዎም 'ክላውድፍለር' ዝተበሃለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኣብ ለካቲት፣ መጋቢትን ሰነን ዓመተ 2021 ንጉግል ክዕብልሎ ዝተረኣየ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ድማ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉግል ብቐዳምነት ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ቲክቶክ፣ ኣማዞን፣ ኣፕል፣ ፌስቡክ፣ ማይክሮሶፍትን ኔትፍሊክስን ድማ ኣብ መስርዕ ብሉጻት 10 ነይሮም።

ቲክቶክ ንጉግል ብብዝሒ ተጠቀምቲ ክበልጾ ዝኸኣለ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጠረ ኩነታት ከምዝኾነ ይእመን። ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮፍ ብምባሎም ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም መዘናግዒ ክጥቀሙሉ ብምምራጾም ብዝሒ ተጠቀምቱ ከምዝወሰኸ ይግለጽ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ መተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ቲክቶክ ልዕሊ 3 ቢልዮን ጊዜ ከምዝተጽዓነ [‘ዳውንሎድ’ ከምዝተገበረ] ሰንሰር ታወር ዝተበሃለ ኩባንያ ዳታ ይሕብር።

እቲ ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ ብደረጃ ዓለም 1 ቢልዮን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኮይኑ፡ እቲ በዝሒ ምውሳኹ ቀጺሉ’ሎ።

ቲክቶክ ኣብ ቻይና ‘ዱዪን’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ብዝተፈለየ ኔትወርክ ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕል ይፍለጥ።

ዱዪን ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ናብ ኣገልግሎት ተቐልቂሉ። ኣብዚ ዓመት ድማ ዕድሚኦም ትሕቲ 14 ዓመት ዝኾኑ ቻይናውያን መዓልታዊ 40 ደቒቓ ጥራሕ ክጥቀሙ ብመንግስቲ ተገዲቡ’ሎ።

ቲክቶክ ብደረጃ ዓለም ኣብ 2018 እዩ ተጀሚሩ። ኣዘራራቢ ዝኾነሎም ኣጋጣምታት ድማ ዝተለመዱ’ዮም።

ኣብ ህንዲ ብ2019 ንዝተወሰነ ጊዜ ተገዲቡ ምንባሩ ይዝከር። ምስ ድሕነትን ብሕትውነትን [‘ፕራይቬሲ’] ብዝተሓሓዝ ድማ ቅርታታት ይቐርበሉ። ብፍላይ ካብ ቻይና ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ተቖጻጸርትን ነዚ ስግኣታት ብስፍሓት የልዕሉ።

ቲክቶክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ብመንግስቲ ቻይና ቁጽጽር ከምዝግበረሉ’ ንዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።

ኣብ ኣውሮጳ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ሓላፊ ፐብሊክ ፖሊሲ ቲክቶክ ቲዮ በርትራም፡ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝኾነ ዳታ ሃቡና ዝብል ሕቶ እንተዝቐርበሎም እውን ከምዝነጽግዎ’ዩ ኣረጋጊጹ።

መተግበሪ ቲክቶክ ከም ኮሜዲ፣ ዳንስን ፖለቲካን ንዝበሉ ትሕዝቶታት ቪድዮ ዘእንግደሉ ኣማራጽታት ከምዘለውዎ ይፍለጥ።

ኣብ ብሪጣንያ ትሕዝቶታታ ብቲክቶክ ብምፍናው እትፍለጥ በዓልቲ ሞያ ጽባቐ ኣቢሮበርትስ (@abbyroberts) ኮይና 17.4 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዋ።