ኮቪድ፡ መገድታት ኣየር ኣመሪካ ብሰንኪ ብዝሒ መልከፍቲ ኦሚክሮን ኣማኢት በረራታት ሰሪዞም

ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሮም መገድታት ኣየር ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኦሚክሮን ይጋደድ ብምህላው በረራታት ክስርዙ ስለዝተገደዱ ሃስይኦም ቀጺሉ’ሎ።

ትማሊ ዓርብን ሎሚ ቀዳምን ክካየድ ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 4 ሽሕ በረራታት እቲ ርብዒ ከምዝተሰረዘ ‘ፍላይትኣዌር’ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣባላት በረራ ኦሚክሮን ተለኺፎም ስለዝተረኽቡን ክውሸቡ ስለዝተገደዱን’ዮም ናብዚ ውሳነ ተበጺሑ።

ቁጽሪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ኣብ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ይዛይድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኦሚክሮን ካብ ካልኦት ቫይረሳት ድኽም ዝበለ’ዩ ዝብል ናይ ኣጋ መጽናዕታት’ኳ እንተለዉ፡ ቅልጡፍ ወሰኽ መልከፍቲ ግን ንተመራመርቲ ኣሻቒልዎም ይርከብ።

ኣመሪካ ብሰንኪ ኦሚክሮን ኣብ ልዕሊ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት 7 ሃገራት እቲ ዞባን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ናይ መገሻ እገዳ ካብ 31 ታሕሳስ ጀሚራ ክተልዕሎ ምዃና ኣፍሊጣ።

ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቦትስዋና፣ ዝምባብዌ፣ ናሚብያ፣ ሌሰቶ፣ ኤስዋቲኒ፣ ሞዛምቢክን ማላውን ናብ ኣመሪካ ዝጉዓዙ ገያሾ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 29 ጀሚሩ ናብታ ሃገር ንኸይኣትዉ ተኸልኪሎም ምንባሮም ይፍለጥ።

ምስ በዓል ልደት ተዛሚዶም ዝግበሩ መገሻታት ንለብዒ ኦሚክሮን ከምዘጋድዶ ኣብ ኣመሪካ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣጠንቂቑ።

እንተኾነ ግን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ስረዛ ብረራታት ናይ መገሻ መደቦም ተሰናኺሉ ኣሎ።

ትማሊ ዓርቢ ጥራይ ካብን ናብን ኣመሪካ ክኣትዋን ክወጽኣን ዝነበረን 689 ነፈርቲ በረርአን ከምዝተሰረዘ ዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ‘ፍላይትኣዌር’ ኣብ መዓልቲ ልደት ከኣ 700 በረራታት ክስረዝ ከምዝኽእል ትጽቢት’ሎ ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ስረዛ በረራታት ኣመና ዝተሃሰዩ መገድታት ኣየር ኣመሪካ ዴልታ፣ ዩናይትድን መገዲ ኣየር ኣመሪካን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

መገዲ ኣየር ዩናይትድ ብዝሒ መልከፍቲ ኦሚክሮን እንዳወሰኸ ምምጽኡ ኣብ ሰራሕተኛታት ቀጥታዊ ሃስያ ከምዘስዓበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መላእ ዓለም ትማሊ ዓርብን ሎሚ ቀዳምን ጥራይ ልዕሊ 4 ሽሕ በረራታት ተሰሪዙ።

ኣብ ኣውስትራልያ’ውን እንተኾነ ካብ መልበርንን ሲድንን ናብ ካልኦት ከተማታት ክካየዱ ተሓሲቦም ዝነበሩ ልዕሊ 100 በረራታት ስለዝተሰረዘ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ናይ በዓል መደባቶም ተሰናኽልዎም።

ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት ንድሓር ኣብ ምሉእ ዓለም 5.3 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ 279 ሚልዮን ሰባት ከኣ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ መረዳእታ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።