እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ እስራኤል ራብዓይ ደረጃ ክታበት ብምሃብ ፈላመይቲ ሃገር ክትከውን'ያ
ብሰንኪ ምልባዕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ስግኣት ዝሓደራ እስራኤል፡ ራብኣይ ደረጃ ክታበት ንምሃብ ትዳሎ ከምዘላን ከምዚ ብምግባር ፈላመይቲ ሃገር ክትከውን ከምእትኽእልን ተሓቢሩ።
ሰብ ሞያ ጥዕና እስራኤል፡ እታ ሃገር ብፍላይ ንሰራሕተኛታት ጥዕናን ንልዕሊ 60 ዓመት ዝኾኑ ሽማግለታትን ራብዓይ ደረጃ ክታበት ክትህብ ይምዕዱ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ናፍታሊ በኔት ነቲ ሓሳብ ተቐቢሉ ምድላዋት ክጅመር ንሰብ ስልጣናት ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እዚ ዝተብሃለ፡ ኣብታ ሃገር ንፈላማ እዋን ሓደ ብኦሚክሮን ዝተለኽፈ እስራኤላዊ ድሕሪ ምማቱ'ዩ።
ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ከምዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር ብውሕዱ 340 በቲ ሓድሽ ዓሌት ዝተለኽፉ ሰባት ኣለዉ።
እቲ ራብዓይ ደረጃ ክታበት ብዕሊ ንክጅመር ፈለማ ብላዕለዎት ሰብ ሞያ ጥዕና ክረጋገጽ ኣለዎ። ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ግና ብውሕዱ ሳልሳይ ደረጃ ክታበት ካብ ዝወስዱ ራብዓይ ወርሖም ዝገበሩ ምሃብ ክጅመር ምዃኑ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በኔት፡ "እዚ ነቲ ንዓለም መሊሱ ኣብ ስግኣት ዝመለሰ ዓሌት ቫይረስ ኦሚክሮን ንምቁጽጻር ዓቢ ዜና እዩ" ብምባል ሰባት ነቲ ክታበት ክወስዱ ኣበረታቲዑ።
እስራኤል፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከብ ዝጅመር ቀዲመን ምኽታብ ካብ ዝጀመራ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ መጠን ክታበት ዝወስዱ ሰባት ብንጽጽር ዓቢ ከምዝኾነ ይንገር።
እንተኾነ፡ ካብቲ 9.3 ሚልዮን ህዝባ 63 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ ካልኣይ ደረጃ ክታበት ወሲዱ ዘሎ።
እዚ ድማ ምስቲ ናይቲ ህዝባ ናይ ዕድመ ደረጃ ዝተኣሰሰር ኮይኑ፡ ሓደ ሲሶ ህዝቢ እስራኤል ትሕቲ 14 ህጻናት ከምዝኾኑ ይዝረብ።
ነዚ ድማ እያ ስራኤል፤ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኖም ዜጋታታ ክታበት ክወስዱ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣጽዲቃ ዘላ።
ቀዳመይ ሚኒሰተር ቤኔት፡ ለብዒ ናይቲ ሓድሽ ዓሌት ንምቁጽጻር ክታበት ክወስዱ ዝፍቀደሎም ህጻናት ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ክወስዱ ከምዝደሊ ብሰኑይ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እታ ሃገር ካብ ሃገራት ኣመሪካ፣ ጀርመን፣ ካናዳን በረራታት ኣጊዳ ኣላ።
ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኮቪድ ካብ ዝጅምር ንነዘ ኣብ እስራኤል 1.36 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ኾይኖም፡ ኣስታት 8200 ሞት መዝጊባ።