እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቅንያት በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዝግበር መገሻታት ንዝርግሐ ኦሚክሮን ዘላብዕ ምዃኑ ተገሊጹ
ኣብ ቅንያት በዓል ልደትን (ክሪስመስ) ሓድሽ ዓመትን ዝግበር መገሻታት ንለብዒ ናይቲ ብናህሪ ዝሰፍሕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዘጋድድ ምዃኑ ላዕለዋይ በዓልሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ብሰንበት ምስ ማእከን ዜና ኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት "እዚ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ [ኦሚክሮን] ኣዝዩ ዝለዓለ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ኣለዎ" ኢሉ።
ኣብ ጉዳይ እቲ ለበዳ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነ ዶክተር ፋውቺ እቲ ቫይረስ "ኣብ መላእ ዓለም ገርጊሩ" ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ሃገራት ንለብዒ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዝተፈላለየ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ይርከባ።
ኣብ ኣውሮጳ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ገለ ካብተን ናይ መገሻ ቀይድታት ዘንበራ ሃገራት ክኾና እንከለዋ ሆላንድ ኣብ እዋን በዓል ልደት ጽኑዕ ዕጽዋ ኣዊጃ ኣላ።
ብዘይካ'ቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ክታበታት ኮቪድ ተወሳኺ ኣበራታዊ (booster) ክታበት ምሃብ በቲ ሕማም ብጽኑዕ ናይ ምሕማም ተኽእሎ ብ85% ከምዘጉድሎ ዝገልጽ መጽናዕትታት ድሕሪ ምውጽኡ መንግስታት ኣበራታዒ ክታበታት ንምሃብ ዘዳለውዎ ፕሮግራማት ብተዓጻጻፊ የዕብይዎ ኣለው።
ኣብ ኣሜሪካ ዝርአ ቅልጡፍ ለብዒ ኦሚክሮን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዶክተር ፋውቺ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባርን ማሕበራዊ ርሕቐት ምሕላውን ዝኣመሰሉ ጥንቃቐታት ክገብሩን ኣሜሪካውያን ክታበታት ክወስዱን ጸዊዑ።
ዶክተር ፋውቺ ብዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት ብጽኑዕ ናይ ምሕማምን ኣብ ሆስፒታላት ናይ ምድቃስን ተኽእሎኦም ልዑል ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ኣስታት 73% እንተወሃደ ሓደ ክታበት ኮቪድ ወሲዱ ከምዘሎ ጸብጻባት ማእከል ምቁጽጻር ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ የርኢ። ካብዚኦም ዛጊት እቶም 30% ኣበራታዒ ክታበት ወሲዶም ኣለው።
ካብቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ እቲ 3% በቲ ሓድሽ ዓሌት ማለት ኦሚክሮን ዝሰዓበ ምዃኑን ክፍለሃገር ኒውዮርክ ማእከል እቲ ለብዒ ኮይና ምህላዋን እቲ ጸብጻባት ይነግር።
እቲ ለበዳ ካብ ዝርአ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ 50 ሚልዮን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክምዝገብ እንከሎ ልዕሊ 800,000 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።