እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ ተለኺፎም
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ ከምዝተለኽፉ ውጽኢት ዝተገብሩ መርመራታት ኣመልኪቶም።
ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ውሽጢ ሸወዓተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ 77,083 ሰባት መርመራ ተኻይዱ፡ እዚ ብዝሒ መልከፍቲ ከምዝተረኽበ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኸብ መረዳእታ የመልክት።
ብሰንኪ እቲ ብልዑል ናህሪ ዝላባዕ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ዘሻቅል ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 22,321 ሰባት ኮቪድ ተረኺብዎም።
እቲ ብዝሒ መልከፍቲ ምስቲ ብዝሒ ዝካየድ መርመራ እንትነጻጸር መዓልታዊ ዝፈላለ'ኳ እንተኾነ፡ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰሙናት ክነጻጸር ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ እቲ ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት።
ኣብቶም ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝነበሩ ሰሙናት ካብ ዝተመርመሩ 53 ሽሕ ሰባት፡ 8500 ጥራይ እዮም ቫይረስ ተረኺብዎም ነይሩ።
ምክትል ሚኒስተር ጥዕና፡ ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ 07 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብዝሒ እናወሰኸ መጺኡ" ኢሉ።
ወሲኹ'ውን ካብቶም ኣብዚ እዋን መርመራ ዝገብሩ ሰባት ሲሶ [መስለስ] እቲ ቫይረስ ይርከቦም ስለዘሎ ልዑል ጥንቃቐ ክግበርን ሰባት ክታበት ክወስዱን ምዒዱ።
ዛጊድ እቲ ኣብ ዓለም ብፍጥነት ዝላባዕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ'ዶ ኣይኣተወን ከምዘይተረጋገጸን መጽናዕቲ እናተኻየደ ምዃኑን'ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።
"ኦሚክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ዘርእዩ ምልክታት ኣለዉ እዮም።ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ኣዝዩ ወሲኩ እዩ። ቀምሶታት እናመርመርና ኢና፤ ግን ኦሚክሮን ኣትዩ ኣእኣተየን ኢልካ ንምዝራብ ከቢድ እዩ" ኢሉ ዶ/ር ደረጄ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ካብ ዝረጋገጽ መዓልቲ ጀሚሩ፤ ኣብ ልዕሊ 4 ሚሊዮን 52 ሺሕ 568 ሰባት መርመራ ተኻይዱ፤ እቶም ኣስታት 400 ሽሕ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ኮይኑ፤ 6 ሺሕ 898 ድማ ምስኡ ብዝዛመድ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ መረዳእታት ይሕብሩ።
ክታበት ካብ ዝጅመር ንደሓር ዛጊድ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ዝተኸትቡ እንተኾኑ'ኳ፤ ምስ ብዝሒ ህዘቢ እታ ሃገር እንትነጻጸር ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ይንገር።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር፤ ሰብ ሞያ ጥዕና ብኣስገዳድ ክታበት ክወስዱ ምዃኖምን፡ ዘይተኸትበ ሕሙም ኣገልግሎት ነጻ ሕክምና ከምዘይረኽቡ ከምዝግበር ተዛሪቡ።