ኵዕሶ እግሪ፡ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተኸተቡን ዝተመርመሩን ጥራይ’ዮም ክዕዘብዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ካሜሮን ዝእንገድ ዋንጫ ኵዕሶ እግሪ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዝተኸተቡን ተመርሚሮም ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ዝኾኑን ጥራይ ክዕዘብዎ ከም ዝፍቐደሎም ኣካየድቲ እቲ ዓቢ ኣፍሪቃ ውድድር ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ካሜሮን፣ ፌደረሽን ኵዕሶ እግሪ ካሜሮንን ካፍን(ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ) ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብቲ ካብ 9 ጥሪ ክሳብ 6 ለካቲት 2022 ዝካየድ ውድድር፡ ዘይተኸተቡን ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም መረጋገጺ ዘየምጽኡ ናብ ስታድዮማት ኣትዮም ውድድር ከም ዘይዕዘቡ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ 24 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዓቢ ውድድር ኵዕሶ እግሪ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም ብዓል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ፣ ሰኔጋላዊ ሳይዶ ማንን ዕውት ናይ ዝሓለፈ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣልጀርያዊ ርያድ መሓረዝን ደሚቖም ክርኣዩ ብኣግኡ ትጽቢት ተገይርሎም ኣሎ።
ኣብቲ ብሰለስቲኦም ኣካላት ብጽምዶ ዝተውሃበ መግለጺ "ደገፍቲ ምሉእ ንምሉእ ምስ ዝኽተቡ ወይ ቅድሚ ጸወታ ኣብ ዘሎ 72 ሰዓታት ናይ 'ፒሲኣር 'መርመራ ገይሮም ውጽኢቶም ኣሉታ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዮም ናብ ስታድዮም ክኣትዉ ዝኽእሉ። ሰብ መዚ ጥዕና መስርሕ መርመራ ብጽፉፍ ንኽካየድ እኹል ምድላዋት ገይሮም ኣለዉ፡ ኣብ ኣፍደገ ስታድዮማት'ውን መመርመሪ ነቁጣታት ተዳልዩ ኣሎ" ይብል።
ኣብዚ እዋን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ካሜሮን 2 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝተኸተበ እዩ ሰነዳት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝሕብር።

ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ እዩ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንኽካየድ ውጥናት ተጻፊፍሉ ዘሎ።
እቲ ውድድር ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሮን ከተማ ያውንደን ካልኦት ሓሙሽተ ከተማታት እታ ሃገርን እዩ ክካየድ።
ማሕበር ክለባት ኣውሮጳን ካልኦትን ኣብዚ ኦሚክሮን ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ገርጊሩ ዘለወሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ዓቢ ውድድር ነቲ ምልባዕ ዝያዳ ከየጋድዶ "ዓቢ ሻቕሎት" ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ።
ኣቐድም ኣቢሉ ካፍ ነቲ ውድድር ከናውሖ ወይ'ውን ኣብ ካልእ ቦታ ንኽኻየድ ይመያየጥ ምህላዉ ዝገልጹ ሕሜታታት ክስምዑ ጸኒሖም።
እንተኾነ፡ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ንካፍ ኣብዝሓተተሉ፡ ሓለፍቲ ካፍ ከምኡ ዓይነት ውጥን ከምዘይብሎም እዮም ገሊጾም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







