ሓላዊ ልዳት ጋንታ ቸልሲ ሜንዲ ብኸመይ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ሓደ ክኸውን በቒዑ?

እቲ ኣብ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ እንኮ ኣፍሪቃዊ ሓላዊ ልዳት ዝኾነ ሰኔጋላዊ ኤድዋርዲ ሜንዲ፡ ናብ ዝኾነት ትኹን ኣፍሪቃዊት ሃገር ክበጽሕ ከሎ ዝለዓለ ምትብባዕ ከምዝግበረሉ ይዛረብ።

ወዲ 29 ዓመት ኮኾብ ሓላዊ ልዳት ቸልሲ፡ ቅድሚ ናብታ ጋንታ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ምጽምባሩ ዘይርስዑ ዓመታት ኣሕሊፉ’ዩ።

ኣብዚ እዋን ድማ ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ቸልሲ ዝነበረ ኮኾብ ሓላዊ ልዳት ፒተር ቸክ ብምትካእ ዝኾነ ዓይነት ምቁርራጽ ዘይረኣዮ ብቕዓቱ የመስክር ኣሎ።

“ኣዝዩ ዘደንቕ’ዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ እታ ኣህጉር [ኣፍሪቃ] ዘሎ ህዝቢ ተሓቢኑ’ሎ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ኣፍሪቃ ብጎደናታት ክጓዓዝ ከለኹ፤ ሰባት እንቋዕ ሓጎሰካ ንኽብሉ ደው የብሉኒ” ክብል ንቢቢሲ ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።

“ዝተፈለየ ነገር’ዩ፤ ምኽንያቱ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኮንጎ ወይ ቶጎ እንተኸይደ ኩሎም ብኣይ ከምዝተሓበኑ’ዮም ዝገልጹለይ። ድጋፍ ብምሃብ ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ክትቕጽለሉ እዮም ዝሕብሩኻ” ዝበለ ሜንዲ፡ እዚ ድማ ከምዘሕጉሶን ዓወታት እናረኸበ ክቕጽል ከምዝገበሮን ኣረዲኡ።

ፈላማይ ናይ ችምፒዮንስ ሊግ ተሳትፍኡ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብቲ ግጥም ትሸዓተ ዝተወደኣ [ናብ ሸቶ ዝቐረባ ኩዕሶታት] ኣድሒኑ ነይሩ። ናይ 2020-21 ብሉጽ ሓላዊ ልዳት ቻምፒዮንስ ሊግ ክኸውን’ውን በቒዑ።

ኣብቲ ውድድር ሸቶ ካብ ምዃን ዘድሓና ቅልዒት ድማ ናይቲ ንሪያል ማድሪድ ዝጻወት ካሪም ቤንዜማ ኮይና፤ ቸልሲ 2 ብ 0 ዝተዓወተትሉ ጸዋታ ነይሩ።

ሜንዲ ኣብ ፖርቶ ኣብ ዝተኻየደ መዕጸዊ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ 2020/21 ብምስታፉ ኣብቲ ውድድር ንፍጻመ ኣብ ዝተገበረ ግጥም ዝተሳተፈ ፈለማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን በቒዑ’ዩ።

“ነዓይን ንስድራይን ዘኹርዓና ኣጋጣሚ ነይሩ” ክብል ይገልጾ።

“ሓላፍነት ከምዝኾነ ይርድኣኒ’ዩ፤ ሰባት ብኣይ ንኽሕበኑን ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ሓላውቲ ልዳት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ንምርኣይን ዝኸኣልክዎ ኩሉ እየ ዝገብር” ይብል።

ሜንዲ ናብ ፕሪምየርሊግ ንኽመጽእ ፒተር ቸክ [ሓላዊ ልዳት ቸልሲ ነበር] ዝለዓለ እጃም ኣለዎ። እዚ ከኣ ናይ ቻምፒዮንስ ሊግን ካልኦት ውድድራትን ዋንጫታት ክዓትር ዕድል ዝፈጠረሉ ኮይኑ።

“ፒተር ናብ ቸልሲ ንኽጽምበር ብዙሕ ሰሪሑ’ዩ፤ ስለዝኾነ ከኣ ትኽክለኛ ምርጫ ከምዝመረጸ ንኸረጋግጸሉ ዝለዓለ ባህጊ ኔሩኒ” ክብል ፒተር ቸክ ንዝገበረሉ ውዕለታ ይገልጽ።

ከምዝበሎ ንምግባር ከኣ ዝኸኣሎ ኩሉ ዝጻዓረ ኮይኑ፡ ኣብ ፈላሞት ሸውዓተ ግጥማት ሽድሽተ ናብ ሸቶ ዝተጸግዓ ኩዓሳሱ ኣድሒኑ።

ካበይ ናበይ?

ናብዚ ደረጃ ንዝበጽሓሉ ኩነታት ከገልጽ ከሎ፤ ወላዲ ኣቡኡን ሓዉን ንማሕለኻታት ክሰግር ንዝገበሩሉ ሓገዝ ምስጋና የቕርብ።

“ኣቦይ፤ ለውጢ ዝደልይ እንተኾይነ ብጣዕሚ ክጽዕር ከምዘለኒ ነጊሩኒ። ሓወይ ድማ ልምምድ ንኽገብር ናብ ስታድየም ይወስደኒ ነይሩ። ስለዚ ናብዚ ንኽበጽሕን ሸቶታተይ ንኸዐውትን ዝሓገዙኒ ወለደይ እዮም” ይብል።

ፈለማይ ፕሮፌሽናል ውዕሊ ኣብ 2011 ዝተፈራረመ ኮይኑ፤ እቲ ምፍርራም ድማ ምስ ኣብ ሳልሳይ ሊግ ፈረንሳ እትጻወት ጋንታ’ዩ። ኣብታ ጋንታ ብቕዓቱ እናመሓየሸ ክሳብ 2014 ድሕሪ ምጽናሕ ውዕሉ ስለዝተዛዘመ ተፈላልዮም።

ምስታ ጋንታ ድሕሪ ምፍላልላዩ ብሰንኪ ምስ ኤጀንት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብዘይጋንታን ብዘይ ገለ ኣታውን ጸኒሑ። በዚ ኩነታት ድማ ኣብ ኤጀንሲ ስራሕ ኣልቦ [ሸቕሊ ኣልቦ] ፈረንሳ ክምዝገብ ተገዲዱ።

ድሕሪ እዋን ከኣ ሓደ ወዲ ጋንትኡ ዝነበረ ተጻዋቲ፤ ንኣብ ፈረንሳዊት ጋንታ ማርሴ ዝጻወት መሓዝኡ ረኺቡ ንሜንዲ ናብታ ጋንታ ከእትዎ ኣዘራረቦ። እዚ ሓሳብ ስለዝሰመረ ኣብታ ጋንታ ብራብዓይ ደረጃ ዝጽዋዕ ሓላዊ ልዳት ኮይኑ ተጸምበረ።

ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ምስታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሊግ ፈረንሳ ዝነበረት ጋንታ ረሚስ ተራኺቡ። ነታ ጋንታ’ውን ናብ ግጥማት ሊግ-ዋን ፈረንሳ ክትዓብይ ሓጊዝዋ። ቀጺሉ ምስ ጋንታ ሬኒስ ዝተራኸበ ሜንዲ፡ ብዘርኣዮም ለውጥን ብቕዓትን ናብ ቸልሲ ክጽምበር በቒዑ።

“ናተይ ዛንታ ንብዙሓት ሰባት ምልክት ተስፋ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከምቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ኩነታት ዝርከቡ ብዙሓት መናእሰይ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም” ይብል።

“እዚ ናይ እምነት፣ ትዕግስቲ፣ ስራሕን ከቢድ ጻዕርን ውጽኢት እዩ። ርእሰ ምትእምማን ክህልወካ ኣለዎ። ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ክትሰርሕ’ውን ኣለካ” ክብል ይምዕድ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብሉጽ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሰኔጋል ብዝብል ዝተዓወተ ሜንዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ንብሉጻት ሓለውቲ ልዳት ዝወሃብ ሽልማት ‘ያሺን ትሮፊ’ ካብ ዝተወዳደሩ ናይ መወዳእታ ሕጹያት ክኸውን ክኢሉ ነይሩ።

“ቅድሚ ሒደት ዓመታት ስራሕ ኣልቦ ነይረ። ጋንታ ኣይነበረንን፤ ሎሚ ግን ንነብሰይ ኣብ ሞንጎ ኣብ ዓለም ብሉጻት ሓለውቲ ልዳት ረኺበያ። እዚ ድማ ኣብቲ ትኽክለኛ መገዲ ከምዘለኹ፤ ዋንጫታት ክዕወተሉ ኣብ ዝኽእል ትኽክለኛ ቦታ ከምዝርከብ’ዩ ዘርእየኒ” ይብል ብሉጽ ሓላዊ ልዳት ጋንታ ቸልሲ ኡዱዋርድ ሜንዲ።