ካናዳ፡ ነቶም ተነጽሎታትን ግፍዕን ዝበጽሖም ደቀ'ባት ህጻናት 31 ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ ተመባጺዓ

ካናዳ፡ ነቶም ኣብ መናበዩ ህጻናት እንከለዉ ተነጽሎታት በጺሕዎም ዝተብሃለ ደቀ'ባት ህጻናትን ስድረኦምን ዝኸውን 31 ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ ምዃና መብጽዓ [መጽብዓ] ኣትያ።

ኣብ 2016 ወርሒ መስከረም ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ ነቶም ደቀ'ባት ህጻናት ዝምሃሩለን ዝነበሩ ኣብያተ ትምህርቲ ውሑድ ምወላ ይስልዓለን ምንባሩ ከምዘረጋገጸ ነጊሩ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ኣብተን ካብ 2006 ጀሚረን ናብ ማሕበራዊ ድሕነት ዝተሰጋገራ መናበዩ ህጻናት ዝምሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ ነፍሲ ወከፎም 31350 ዶላር ካሕሳ ክውሃቦም'ዩ።

መንግሰቲ ነቲ ብይን ይግባይ ክብለሉ ምዃኑ'ኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣብተን ክሳብ 1996 ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝነበራ መናዩ ህጻናት ልዕሊ 1100 ዘይተሰነደ መቃብር ምስ ተረኸበ ግን ነቲ ይግባይ ናይ ምባል ሓሳብ ከምዝገደፎ ይፍለጥ።

ክሳብ 1996 ኣብ ካናዳ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ህጻናት ናይቶም ደቀ'ባት ካናዳውያን ብህጻንነቶም ካብ ወለዶም ተፈልዮም ኣብ መናበዩ ህጻናት ኮይኖም ከምዝምሃሩ እዩ ዝግበር ነይሩ።

ኣብቲ መናበዩ ህጻናት ብዙሕ መግረፍቲ፡ ጥምየትን ጺታዊ ዓመጻትን የጋጥሞም ምንባሩ ኸኣ ድሒሩ ዝተገበረ መጽናዕቲ የረድእ።

ብዘይካ እዚ እቶም ህጻናት ቋንቋ ኣዲኦም ገዲፎም ቋንቋታት እንግሊዝን ፈረንሳን ክዛረቡን ሃይማኖቶም ናብ ክርስትያን ክቕየሩን ይግደዱ ምንባሮም'ውን ሰነዳት ይሕብሩ።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ባይቶ ደቀ'ባት ካናዳ ሮስ ኣን "ገንዘብ ፍትሒ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ኣብ መንገዲ ደበስን ፍትሕን ምህላውና ዘርኢ'ዩ" ኢላ።

ኣብቲ ካብ 1874 ክሳብ 1996 ዝካየድ ዝነበረ ህጻናት ካብ ወለዶም ወሲድካ ኣብ መናበዩ ህጻናት ናይ ምዕባይ መስርሕ ልዕሊ 150 ሽሕ ህጻናት ኣብቲ መናበዪ ህጻናት ከምዝኣትዉ ከምዝተገበረ ሮስ ኣን ገሊጻ።

ነቲ ህጻናት ዝነባይሉ ዝነበሩ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብያተ ክርስትያን ካናዳ'የን ዝምውለኦን ዘካይድኦን ነይረን።