እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ ብሳህራ ሓሊፉ ዓወታት ዝሓፍስ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኤልያስ ክብረኣብ
ኤርትራዊ መንእሰይ ኤልያስ ክብረኣብ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ናይ መሮር ውድድር ኣብ 2021 ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ኣብ ዝተኻየደ ሃሊበርተን ኣልትራ ናይ 100 ማይልስ ውድድር ቀዳማይ ደረጃ ኮይኑ ተዓዊቱ።
ሃሊበርተን ኣልትራ ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢታት ካናዳ ዓመታዊ ዝካየድ ውድድር በረኻ እዩ። እዚ ፍቱው ውድድር መሮር ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንሓደ ዓመት ተቛሪጹ እኳ እንተጸንሐ ለብዘበን ግን እቲ ውድድር ብቀዳም 11 መስከረም 2021 ተኻይዱ።
ኣብቲ ንመበል 28ን ዓመት ኣብ ሃሊበርተን ጫካ ዝተገብረ ውድድር በብዓቕሞምን ክእለቶምን ካብ ዝተሓተ 12 ማይል ክሳብ 100 ማይል ርሕቀት ዝወዳደሩ፡ ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለ ዝተመቕሉ ተቐዳደምቲ ወዶም ጓሎም ኣብ መስርዕ ተቐረቡ፤ ሓደ ካብኦም ከኣ ኤርትራዊ መንእሰይ ኤልያስ ክብረኣብ ነበረ።
ኤልያስ ሃብረም፡ ሃባርም ኣብ እትበሃል ኣብ ጸዳፍ ጎቦታት ዓንሰባ እተደኮነት ኤርትራዊት ቁሸት እዩ ዓብዩ። ወለዱ ብሕርሻን መጓሰን ስለዝነበባበሩ፡ ካብ ቑልዕነቱ ምስ መዛንኡ ደቂ ዓዱ ንስድራ ቤቱ ኣብ ንጥፈታት ሕርሻን መጓሰን እናተላእከ እዩ ዓብዩ።
ኣብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ጸዳፍ በረኻታት ዓዶም ብቖልዕኡ ንጥሪቱ ሳዕርን ጠጠምን ኣብ ዘለዎ ጸዳፍ ኣኻውሕ ክጓሲ፡ ኣብቲ ዝጸረየ ማይ ሩባታት ዓዶም ከስትየን ጥሪቶም ክንዲ ዝደለየኦ ርሕቀት ክጓዓዛ እናተኸተሉወን እዮም ዓብዮም።
ጥሪቶም ከብደን መሊአን ኣብ ገማግም ሩባታት ዓዶም አዕሚን መጒስዕ ክመልሳ ብሓጎስ ይዕዘቡወን፡ ብሕጽረት ሳዕርን ጠጠምን ከብደን ክጎድል እንከሎ ከኣ ንኽዕንግሉወን ዝከኣሎም ይገብሩ - እቲ ህይወት ሓረስታይ ከምኡ ስለዝኾነ።
ኤልያስ ግን ኣብ ሻምናይ ዓመት ዕድመኡ ካብ ናብራ ገጠር ርሒቑ ኣብ አሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ሚስዮን ደቀምሓረ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ጀመረ። ክቱር ህርፋን ትምህርቲ ስለዝጸንሖ ካብ ዝጅምር ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣቱ ብልዑል ጸብለልታ ትምህርቱ ኣጠናቐቐ።
ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ኣጠናቒቑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተመሃራይ ቀዳማይ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ዓመት ከኣ ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ካልኣይ ዓመቱ ሒዙ ነበረ። ኣብ ካልኣይ ዓመት ትምህርቱ ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ፍሉይ መገዲ ክሕዝ ጀመረ።
ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጉዳይ መሰል ምስ ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ምስተሰሓሓቡ፡ ፕረዚደንት ማሕበሮም ዝነበረ ተማሃራይ ሰመረ ከሰተ ተኣስረ፡ " ሰመረ ብሕጊ ኣብ ቤት ፍርዲ ይቕረብ!" ብማለት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ሓያሎ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከም መቕጻዕቲ ናብቲ ከቢድ ጸቕጢ ኣየርን ክቱር ዋዕን ዘለዎ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ዝርከብ ዊዓ ምስተወስዱ ዮሴፍ ይርጋን ግርማይ ተኪኤል ዝተባህሉ ክልተ ተመሃሮ ብወቕዒ ጸሓይ ምስ ሞቱ እቲ ነገር እናኽረረ ከደ።
ኤልያስ ከኣ መንግስቲ ንተማሃሮ መንእሰያት ብሓያል ምትህልላኽ ከምዝሓዞም ምስተረደአን ደጊም ኣብ ኤርትራ ተስፋን ራኢን የብልናን ስለዝበለ፡ ካብ ኤርትራ ንሱዳን ተሰደ።
ካብ ሱዳን ከኣ ብሰሃራ ኣቢሉ ኣብ ጉዕዞ ሊብያ ማእሰርትን ስቓይን ርእዩ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ኣብ 2002 ንኢጣልያ ኣተወ።
ስደተኛታት ካብ መንግስቲ ጣልያን ከምቲ ዝድለ ሓገዝ ስለዘይረኽቡ ከኣ ክሳብ ሰሪሑ ነብሱ ዝኽእልን ዝሓሸ መገዲ ዝፍትሽን ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ጥልያን ጸኒሑ ኣብ መወዳእትኡ ኣብ 2007 ንካናዳ ኣትዩ - ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለዝረኸበ ነርሲንግ ተማሂሩ ከም ኣላይ ሕሙማት ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ሆስፒታል ይሰርሕ ኣሎ።
ኤልያስ፡ ኣብቲ ጸዳፍ ኣኽራናት መሬት ዓዶም ደድሕሪ ጥሪት ክጎዩ ዝደልደለ ኣካላቱ፡ ፍቕሪ ጉያ ኣሕዲሩሉ፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ቀጺሉ እውን ኣብ ዞባ ክወዳደር ጀሚሩ ነይሩ።
ኣብ ስደት ምስ መጽአ እውን ከም ሓደ መዘናግዒ ስለዝርእዮ ትርፊ ግዜ ምስ ኣብ ዝረኸበሉ ኣጋጣሚ ካብ ምጉያይ ኣየቋረጸን።
ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ናይ 10 ማይል ርሕቀት ዳሕራይ ከኣ ኣብ ፍርቅን ምሉእን ማራቶን ውድድር ይሳተፍ ነይሩ። ንኹሉ እቲ ዝገብሮ ውድድር ከኣ ብዓይኒ ጥዕናን መንፈሳዊ ዕጋበትን እዩ ዝርእዮ።
ኣብዚ መስከረም እዚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 100 ማይል - 160 ኪሎ-ሜተር ውድድር ከኣ ዓቐበ ቁልቁለት ዘይጥጡሕ መገድን ጣሻን ወሓይዝን ኣብ ዘለዎ ሃሊበርተን ኣልትራ ፓርክ ተወዳዲሩ ንኹሎም ተወዳደርቲ መሪሑ ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኤልያስ ከምቲ ኣብ ኩሉ ውድድር ዝገብሮ ኣብ ጉዕዞ ሰሃራን ባሕርን ህይወቶም ንዝሰኣኑ መዛንኡን ኣብ ኤርትራ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ብጾቱን እናዘከረን ብሃለዋቶም እናስተንተነን እዩ ውድድሩ ዘካይድ።
ኣብ ኩሉ እቲ ዝመላለሶ ጫካታት ሃሊበርተን ብሕልናን መንፈስን ምስቶም ኣብ ንእስነቶም ዝተፈልዩዎ መዛኖይ፡ አዕሩኽተይ ዝብሎም ግዜ ዝበደሎም መንእሰያት እናዕለለ እዩ ዝጓዓዝ።
ነቲ 160 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ጉዕዞ 14 ተቐዳደምቲ ጥራሕ እዮም ዛዚሞምዎ። እቶም ዝበዝሑ ግን ኣይከኣሉን።
ኤልያስ ንድሕረ ባይታ እቶም ኣብቲ ናይ 100 ማይል ዝተሰለፉ ተቐዳደምቲ ምስ ኣንበቦ " ነዚኦም እኳ ክንደየናይ ከይቅድሞም" ብምባል ግን ንነብሱ ዝሃባ ናይ ግዜ ገደብ ነይሩ።
እቲ ዝሓሰቦ ግዜ ኣብ እዋኑ ስለዝዛዘሞ ከኣ "ዝሓለነ ይዕወት!" ከምዝበሃል ነቲ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ነቲ መዓልቲ ዘዘክር ሽልማት ወሲዱ።