ስነ ጥበብ፡ ሩምባ ዝተብሃለ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኮንጎ ኣብ ዩኔስኮ ቀዋሚ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ

ብሩምባ ሙዚቃ ዝፍለጥ ፓፓ ዌምባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሩምባ ሙዚቃ ዝፍለጥ ፓፓ ዌምባ

ኣብ ሙዚቃ ኣፍሪቃ ዓቢ ተራ ዘለዎ ሩምባ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሳዕሰዕዒት ኮንጎ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ቀዋሚ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ።

እዚ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኣጣሚሩ ዝሓዘ ሩምባ፡ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንክሰፍር ክልቲኦም ኮንጎታት እዮም ዝጉስጉሱ ነይሮም ተባሂሉ- ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኮንጎ ብራዛቪልን።

ክልቲኦም ኮንጎታት ኣብ ሓደ እዋን ንጥንታዊት ኮንጎ እዮም ዝውክሉ። ክልቲኦም ሃገራት ብዘቅረብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ሩምባ ምንጩን መበገሲኡን ካብዛ ጥንታዊት ኮንጎ እዩ።

"ሩምባ" ዝብል ስርወ ቃሉ ድማ ናይ ቋንቋ ኪኪኮንጎ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ሕምብርቲ ማለት እዩ።

ናይ ኮንጐ ሩምባ እውን ልክዕ ከም ናይ ጃማይካ ሬጌ ሙዚቃን ሃውከር ዝተብሃለ ምግቢ ሲንጋፖርን ኣብ ዩኔስኮ "ቀዋሚ ዘይድህሰስ ባህላዊ ሓድጊ ወዲሰብ" ኾይኑ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ኣሎ።

ባህላውን ሳይንስን ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዩኔስኮ እዚ ናይ ባህሊ ደረጃታት ምውሃብ " ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣብ ምስፍፋፋሕ ዝርከብ ሉኤላዊነት (ግሎባላይዜሽን) ብዙሕነት ባህሊ ንክሕሎ ክሕግዝ እዩ" ኢሉ።

ሩምባ ዝስዕስዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋና ዳይሬክተር ዩኔስኮ ኦድሪ ኣዙላይ፡ እቲ ሙዚቃ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘበን ኣንጻር ባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ተምሳል ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ'ውን ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ድማ እቲ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ስነጥበባውያን ሞራል ዘለዓዕል ምዃኑ ገሊጹ።

ሩምባ አፍሪቃዊ መበገሲ'ኳ እንተለዎ፤ ካብ ኣህጉር ወጻኢ ምስ ሳዕስዒት ላቲን 'ሩምባ' ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ'ውን ይዝረብ።

ርግጽ፡ ሩምባ ኩባ ኣብ 2016 ኣብ ኡኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ጸኒሑ እዩ።

ሚኒስተር ባህሊ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ካትሪን ካትሁንጉ ፉራሃ፡ "ሩምባ ኣካል መንነትና እዩ፣ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ኣፍሪቃዊ ዘርኢ ንዘለዎም ወለዶታት ዝምልከት እዩ" ኢላ።

ወሲኻ ድማ ፡ "ሩምባ ናትና እዩ ተባሂሉ ክፍለጥ ኢና ነደሊ፤ መንነትና እዩ" ኢላ።

"ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጻኢ ብባርነት ዝተወስዱ ኣባሓጎታትና ኣመጻጸአኦምን ዊንተኦምን ንምዝካር እንትደልዩ ናይ ሕምብርቲ ሳዕስዒት እዮም ዝለሃዩ ነይሮም። ንሱ ድማ ሩምባ እዩ"።