እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚያንማር፡ ወተሃደራዊት መኪና ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ሓደጋ ኣውሪዳ
ኣብ ሚያንማር ትማሊ ሰንበት ሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ተቃውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ጠኒና ብምውእታው ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰልፈኛታት ሓደጋ ኣውሪዳ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እታ ወተሃደራዊት መኪና ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ሓደጋ ምስ ኣውረደት፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ እቶም በርጊጎም ዝሃድሙ ዝነበሩ ሰባት ጥይት ከምዝተኮሱ ገሊጾም።
ኣብ ሚያንማር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝካየድ ብውሕዱ 1200 ሰለማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከዉ ኣሽሓት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ወተሃደራት ሚያንማር 11 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክእትዉ እንከለዉ፡ እቶም ሰለስተ በታ ወተሃደራዊት መኪና ሓደጋ ዘጋጠሞም እዮም ሓደ ካብኦም'ውን ብጽኑዕ ዝተሃረመ እዩ።
ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሚያንማር፡ ወተሃደራዊት መኪና ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ሓደጋ ከምዘውረደት'ኳ እንተዘይገለጸ "ዓመጸኛታት በቲንና" ኢሉ።
ማዕከን ዜና እታ ሃገር ዝኾነት ኤምፒኤ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ክልተ ካብቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጤኛታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።
ወኪል ዜና እታ ማዕከን ዜና እቲ ሓደ ጋዜጤኛ መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞን እቲ ሓደ ግን ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፍለጥን ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ብወተሃደራዊት መኪና ሓደጋ ዘጋጠሞ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "በታ መኪና ተሃሪመ ኣብ ቅድሚ እታ መኪና ወዲቐ፡ ሓደ ወተሃደር ብበትሪ ክሃርመኒ ምስ ጀመረ ዘለኒ ሓይሊ ኣኻኺበ ክሃድም ጀሚረ፡ ጥይት'ውን ይትኮሰኒ ነይሩ'ዩ ብህይወት ግን ክወጽእ ክኢለ ኣለኹ" ኢሉ።
ወድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚያንማር ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ዝኽእል በደላት መረመራ ንኸካይድ ናብታ ሃገር ዘእቱ ፍቓድ ከምዝተኸልከለ ገሊጹ ኣሎ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕልዋ መንግስቲ ክገብር ዘገድዶ፡ ኣብቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ናይ ድምጺ ስለዝነበረ እዩ ኢሉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ንሚያንማር ትመርሕ ዝነበረት ሳን ሱቺ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ምስዓራ ይዝከር።
ዘይሸራውያን ተዓዘብቲ እቲ ምርጫ፡ እቲ ምርጫ ርትዓወን ፍትሓውን ምንባሩ ብምግላጽ እቲ ኣብ ልዕሊ ሳን ሱቺ ዝተመስረተ ክሲ ፖሎዊቲካ ሽርሒ ከምዘለዎ እዮም ዝገልጹ።