ዝተበላሸው ቴለፎናት ኣፍሪቃ ንምንታይ እዮም ናብ ኣውሮጳ ዝለኣኹ?

ኤሪክ ኣርተር

ምንጪ ስእሊ, ERIC ARTHUR

መግለጺ ስእሊ, ኤሪክ ኣርተር ቀዳመ ሰንበት ኣብ መላእ ጋና ብምዛርን ዝተበላሸዋ ቴለፎናት ኣብ ምእካብን እዩ ዘሕልፎ

ኤሪክ ኣርተር ባህግታቱ ንምፍጻም ዝኸውን ብዙሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ የብሉን፤ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መላእ ጋና ብምዛርን ዝተበላሸዋ ቴለፎናት ኣብ ምእካብን እዩ ዘሕልፎ።

ኣብ ሓደ ቀዳመ ሰንበት ካብቲ ኣብ ኬፕ ኮስት ዝርከብ ገዝኡ ክሳዕ ልዕሊ 160 ኪሜ ብምዝዋር ናብ ድኳናት ጽገና ሞባይልን መአከቢታት ሮታመን ይበጽሕ።

ኣብቲ ዕውት ዝኾነሉ ቀዳመ ሰንበት ክሳዕ 400 ስብርባር ቴለፎናት ከምዝእክብ ይነግር። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ካልኦት ሽዱሽተ ወኪላት የወሃህድን ይመርሕን።

ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ኩላቶም ብሓባር ከባቢ 30,000 ቴለፎናት ክእክቡ ይትስፈው።

ኤሪክ ኮነ እቶም ወከልቱ ነተን ዝተበላሸዋ ቴለፎናት ብትሕቲ ፍርቂ ዶላር (44 ሳንቲም) እዮም ዝዕድግወን።

እተን ቴለፎናት ክዕረያ ዘይኽእላ እኳ እንተኾና ብዙሕ ግዜ ሰባት ቴለፎናቶም ክሸጡ ቅሩባት ኣይኮኑን፤ ስለዚ ክተእምኖም ኣሎካ ይብል ኤሪክ።

“ሓዳስ ኣንድሮይድ ቴለፎን ኣስታት 150 ዶላር እያ እትዕደግ ኣነ ከኣ ትሕቲ ሓደ ዶላር ክህበኩም እየ ዝብሎም። ወላ’ኳ ደጊሙ ዘየገልግሎም እንተኾነ፡ ‘ብኽንድዚ እኮ እየ ዓዲገያ። ኣመና ኣሕሲርካዮ’ ይብሉኻ።”

ኤሪክ ነቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝሰርሖ ስራሕ ብሓደ ‘ክሎዚን ዘ ሉፕ’ ዝተበሃለ ሆላንዳዊ ኩባንያ እዩ ዝኽፈሎ። እቲ ኩባንያ ነተን ብኤሪክን መሳርሕቱን ዝተኣከባ ቴለፎናት ናብቲ ተጨፍሊቐን ዳግም ዝምስርሓሉ ኣውሮጳ ይልእኸን።

ብድሕሪኡ ብፍሉይ ኣገባብ መምኸኺ ብምጥቃም ነቲ ፕላስቲክ ብምቅጻል ካብቲ ሓጺን ነቲ 90% ከምዝእከብ ይግበር።

ግና ንምንታይ ናብ ኣውሮጳ እዚ ኩሉ ርሕቐት ክጓዓዝ ተደልዩ?

ምስ ካልኣዩ ሪንሃርት ስሚት ብምዃን ን ‘ክሎዚን ዘ ሉፕ’ ዝመስረተ ጁስት ደ ክሉጂቨር እቲ መልሲ ቀሊል እዩ ይብል።

ኣፍሪቃ ነቲ ነተን ቴለፎናት ንምስራሕ ዘገልግል ሒደት ዝዓቐኑ ክቡር ሓጻውን ንምእካብ ዘኽእል ምዕቡል ናይ መምኸኺ ትካላት የብላን።

እንተኾነ ግና ዓመታዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 230 ሚልዮን ቴለፎናት ይሽየጣ። ካብ ስራሕ ወጻኢ ምስኮና ገለ’ኳ ናብ ዘይወግዓዊ ኢንዱስትሪ ዳግመ ምምስራሕ እንተኣተወ እቲ ዝበዝሐ ይጓሓፍ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ‘ግሎባል ኢ-ዌስት ሞኒተር’ ኣብ 2019 ኣፍሪቃ 2.9 ሚልዮን ቶን ናይ ኤለክትሮኒክስ ጓሓፍ ክተፍርይ እንከላ እቲ 1% ጥራይ ብግቡእ ተኣኪቡ ዳግም ተመስሪሑ።

“ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝኾነ ነገር እናጸገንካ ንነዊሕ ኣብ ምጥቃምን ብገለ ደረጃ ዳግም ኣብ ምምስራሕን ፍሉጣት እየን። ስለዚ እቲ ኣምር ኣሎ እቲ ግቡእ መሳርሒ ግና የሎን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጓሓፍ” ይብል ሚስተር ደ ክሉጂቨር።

‘ክሎዚን ዘ ሉፕ’ ሓንቲ ቴለፎን ናብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ኩባንያታት ከረክብ ከሎ 5 ዩሮ (5.60 ዶላር) ይኽፈል። እዚ ንመአከቢ፡ ንመጉዓዝያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዳግም ንምምስራሕን ንመኽሰብን እቲ ኩባንያ ዘካተተ እዩ።

እዚ ንእሽቶ ወፍሪ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣከባቢ ዘለዎ ረብሓ ዓቢ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዳግመ ምምስራሕ ትካላት ናይ ምክፋት ትልሚ ኣድላዪ እኳ እንተኾነ ሚስተር ደ ክሉጂቨር ዕቃበታት ከምዘለዎ ይገልጽ። ርጉእ ፋይናንስያዊ ሞዴልን ሕግን ኣብ ባይታ ከይተግበርካ እተን ትካላት ክብገሳ ክሳቐያ ምዃነን’ውን ይምጉት።

ሓደ ቴክኒሻን ናይ ኤለክትሪክ ኣቕሑት እናፈንጥሐ

ምንጪ ስእሊ, WEEE CENTRE

ኣብ ኬንያ ናይ ዝርከብ ኣቕሑት ዳግም ዘመስርሕ ትካል ‘ዌስት ኤለክትሪካል ኤንድ ኤለክትሮኒክ ኤኪዩፕመንት ሰንተር’ (ዊኢ) ኣካያዲት ስራሕ ዝኾነት ሲሞን ኣንደርሰን’ውን ነዚ ብድሆታት ከምዘስተውዓለትሉ ትገልጽ።

ኬንያ ብመንግስቲ ዝካየድ ሃገራዊ ስርዓት ዳግም ምምስራሕ የብላን። ኣብ ገለ ከባቢታት ጓሓፍ ናይ ምእካብ ኣገልግሎት ኣሎ።

ንማእከል ዊኢ ናይ ምትካል ሓሳብ ካብ ሓደ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝተመስርሓ ኮምፕዩተራት ዝቕርብ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እዩ ነቒሉ።

ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሖ ስራሕ፡ ነቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ዘየድልይ ጓሓፋት ኤለክትሪክ ዝእለየሉ መገዲ ከምዘድሊ ኣርእይዎ፤ ኣብ 2012 ከኣ እቲ ናይ ዳግመ ምምስራሕ ማእከል ተመስሪቱ።

ዊኢ ኣብዚ ዓመት ብቐንዱ ምስ ከም ቶታል ኤነርጅይስን ኣብሳን ዝኣመሰሉ ትካላት ውዕል ብምግባር 250 ቶን ኤለክትሮኒካዊ ጓሓፍ ክእክብ ተስፋ ኣለዎ።

እዚ ግና ካብቲ ኬንያ ዓመታዊ እተፍርዮ 50,000 ቶን ዝግመት ኤለክትሮኒካዊ ጓሓፍ ኣዝዩ ሒደት እዩ።

ሲሞን ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰባት ዘየድልዮም ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ዘረክቡሉ ናይ መኣከቢ ነቑጣታት ናይ ምክፋት ዓብዪ ውጥን ኣለዋ።

ኬንያውያን ኤለክትሮኒካዊ ጓሓፍ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ብዛዕባ ዝፈጥሮ ሓስያ ዝያዳ ንቑሓት ይኾኑ ምህላዎምን ገለ ነገር ክገብሩ ከምዝደልዩን ሲሞን ትገልጽ።

መንግስቲ ኬንያውን ነዚ ንምሕጋዝ ገለ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ፤ ንሱ ከኣ ነቲ ንኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ዳግም ንምምስራሕ ዘድልይ ፋይናንስያዊ ሰኸም ናብ ኣፍረይቲ ወይ ከኣ ኣምጻእቲ ዝመልስ ‘ኤክስተንድድ ፕሮዲዩሰር ሬስፖንሲቢሊቲ ሌጂስሌሽን’ ዝተሰመየ ሕጊ ንምትእትታው ይሰርሕ ኣሎ።

“ነዚ ንደፍኣሉ ኣሎና ምኽንያቱ እዚ ነታ ሃገር የድልያ እዩ፤ ደሓር ከኣ ኬንያ ንመላእ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ኣብነት ክትኸውን ኢና እንደልያ” ትብል ሲሞን።

ቤት ዕዮ ማእከል ዊኢ 10 ተክኒሻናት ክህልውዎ እንከለው፡ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ብጥንቃቐ ብምፍንጣሕ፤ ነቶም ከም ሓጺንን ነሓስን ዝኣመሰሉ ኣብኡ ከውጽእዎ እንከለው፤ ከም ወርቂ፡ ፕላቲንየምን ፓላድየምን ዝኣመሰሉ ኣብቲ ‘ሰርክዩት ቦርድ’ ዝርከቡ ክቡራት ማዕድናት ግና ኣብ ኣውሮጳን እስያን ዝርከቡ ምዕቡላት ትካላት ምምኻኽ ጥራሕ’ዮም ክወጹ ዝኽእሉ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ናይ መምኸኺ ትካል ናይ ምትካል ሕልሚ ከምዘለዋ’ውን ሲሞን ትገልጽ።