ዕጡቓት ማሊ ኣብ ኣውቶብስ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ማሊ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ናብ ዕዳጋ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት ዝጸዓነት ኣውቶብስ ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 31 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቦም።

መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ፈለማ ንዘዋሪ እታ መኪና ተኵሶም ከምዝቐተልዎን ድሓረ ነታ መኪና ከምዘቃጸልዋን እቶም ሰበ ስልጣን ሓቢሮም።

መብዛሕቲኤን ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ናብ ዝሰርሓሉ ዕዳጋ ኣብ መገዲ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተፈሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ብናህሪ እናሰፍሐ ይመጽእ ብዘሎ ጅሃዳውያን ከምዝተጸመ ተገሊጹ።

እቶም ዝተዓጠቑ ሰባት ንጎማ እታ መኪና ሃሪሞም ደው ምስኣበልዋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ክትኩሱ ከምዘጀመሩ ኣብ ጥቓ እቲ ከባቢ ናይ እትርከብ ከተማ ባንካስ ከንቲባ ሞላየ ጉንዶ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ካልኦት ብዙሓት'ውን ተሰዊሮም ወይ ቆሲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ እታ ኣውቶብስ ብኣስከሬን ሰባት ተመሊኣ ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተጠቂዖም ተራእዮም። ይኹን እምበር ቢቢሲ እቶም ስእልታት ሓቃዊ ስለምዃኖም ብናይ ባዕሉ መገዲ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እታ ኣውቶብስ ሶንጎ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ዓዲ ተበጊሳ ባንዲጋራ ናብ ዝርከብ ዕዳጋ እንዳተጉዓዘት እንከላ እያ በቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ወሪድዋ።

እቲ መጥቃዕቲ ምስ እስላማዊ ጉጅለን ኣል ቃዒዳን ርክብ ብዘለዎም ዕጡቓት ክትሕመስ ብዝጸንሐት ማእኸል ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝኾነት ግዝኣት ሞፕቲ’ዩ ተፈጺሙ።

ብዕልዋ መንግስቲ በትረ ስልጣን ማሊ ዝጨበጠ ስግግር መንግስቲ ናይታ ሃገር ዛጊድ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ናይ ሕቡራት ሃገራት ‘ኮንቮይ’ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ ሓደ ሰለማዊ ሰራሕተኛ ተቐቲሉ ካልእ ድማ ምስቆሰለ ንጽባሕቱ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ኣብታ ኣብ ውሽጢ 16 ኣዋርሕ ክልተ መፈንቅለ መንግስቲ ዘጋጠማ ማሊ እትንቀሳቐስ ዝነበረት ፈረንሳ ወተሃደራዊ ወፍርታታ ኣቋሪጻቶ: ከም ሳዕቤኑ ድማ ማእኸላይ መንግስቲ ማሊ ከምዝተዳኸመ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣብ ማሊ እንዳኸፍአ ዝመጽእ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት መንግስቲ ማሊ ናብ ዕሱብ ሰራዊት ሩስያ ገጹ ክገብር ከምዝደፋፍኦ ይግለጽ።