እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ: ሰራዊት መንግስቲ ሓያለ ከባብታት ካብ ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዘዐ መንግስቲ ገሊጹ
ሰራዊት ኢትዮጰያ ነታ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ካብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዝዕዋ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከምዝበሎ፡ ሓይልታት መክልኻል ሰራዊት፡ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ክልል ኣምሓራን ፋኖን ብሓባር ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ነታ ንኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐት ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲን ተቖጻጺሮም ኣለዉ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ሰራዊት መንግስትን ክልል ኣምሓራን ብዝፈጠርዎ "ዕንቅፋት. . . ውሱን ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ጌርና ኣለና" ክብሉ ካብ ገለ ቦታታት ከምዝሰሓቡ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። ካበየኖት ቦታታት ከምዝወጹ ግን ብንጹር ኣይጠቐሱን።
"ብናይ ባዕልና ተበግሶን ንወሳኒ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ዝጥዕም ኣንፈት ንምትዕርራይ ንገብሮ ዘለና ናይ ቦታ ምምሕያሽ" ብምባል፡ ነቶም ቦታታት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊኦም ከምዘይገደፍዎም እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ነቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።
እታ ኣብ ሰሜን ወሎ ዞን እትርከብ ከተማ ላሊበላ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ'ያ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣትያ።
ኣቐዲሙ'ውን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ይምራሕ ከምዘሎ ዝተገልጸ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንጋሸና ዝተባህለት ከተማ ሓዊሱ ገለ ወሰንቲ ቦታታት ክልል ኣምሓራ ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣሕዲጉ ከምዝተቖጻጸረ መንግስቲ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ብግንባር ጋሸና፡ ኣርቢት፣ ኣቀት፣ ዳቦን ጋሸናን ዝተብሃላ ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብግንባር ሰሜን ሽዋ ንከተማ ሽዋ ሮቢት ሓዊሱ ሞላሌና መዘዞ ካብ ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዘዐ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣፍሊጡ።
ከምኡ'ውን ብኻልእ ግንባር ሰራዊት ምክልኻል፡ ንከተማታት ጃማ ደጎሎ፣ ወረኢሉ፣ ገነቴ፣ ፊንጨፍቱ፣ ኣቀስታ ነጻ ከምዝገበረ ኣብ ትዊተሩ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሰኑይ ብመገዲ ትዊትር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማእከላይ እዚ ሓይልታት ትግራይ "ኣብ መሬት ዘሎ ኩነታት ብምግምጋም ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ዝካየድ መጥቃዕቲ ውሳነ ኣመሓላሊፉ" እኳ እንተበለ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ምርካብ'ኳ እንዘይተኸኣለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌዴራል ምስ መላፍንቱን ከቢድ ኵናት ይካየድ ምህላዉ'ዩ ዝዝረብ።
ሚኒስተር ከምኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ ሰራዊት መንግስቲ ብፍላይ ንጋሸና ምቁጽጻር ምኽኣሉ፡ ኣብ መንጎ ላሊበላን ሰቖጣን ከምኡ'ውን ወልድያን ደሴን ሓይልታት ትግራይ ዝተቖጻጸርዎም ከባብታት 'ነጻ ንምውጻእ በሪ ዝኸፍት እዩ' ኢሉ።
ኣብዚ ግንባር ከበድቲ ቀለልትን ኣጽዋራት ከምዝተማረኹ'ውን ለገሰ ቱሉ ዶ/ር ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ብሰላም ኢዶም ክህቡ ጻውዒት ዘቕረበ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን እቲ ወፍሪ ብውሑድ መስዋእትን ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ዝዛዘመሉን ውጥንን መምርሕን ከምዝሃበ ተገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ግንባር ብምዃን ብመሪሕነት ኵናት ከካይድ ካብ ዝጅመር፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ሒዞሞም ዝነበሩ ገለ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን ክለቁ ከምዝኸኣሉ መንግስቲ ይገልጽ ኣሎ።
ገለ ካብቲ ብሰራዊት ፌዴራልን መላፍንቱን ዝተታሕዘ ቦታታት ኣብ ክልል ዓፋር እትርከብ ስትራተጂካዊት ከተማ ጭፍራ ኮይና፡ መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ምግላጹ ይዝከር።
ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ እዚ ኵናት፡ ዋላ እኳ ኣብ ክልል ትግራይ እንተጀመረ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓም ናብ ኵናት ሓድሕድ ተሰጋጊሩ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ምህላዎምን ዝገልጹ ኾይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ጥቓ ከተማ ደብረብርሃን ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ይዝረብ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየጽ ዘሎ ኵናት ቁጽሪ ናይቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰለማውያን ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበጽሕ ገሊጹ።