ኣብ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ንላቲቭያ 20 ብ 0 ድሂኻታ

ሃገራውያን ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ላቲቭያ ንመጻረዩ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝገበረኦ ግጥም፡ ኣብ ታሪኸን ዝበዝሐ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝገፈሐ ዓወት ኣመዝጊበን።

ዓዲ እንግሊዝ ንላቲቭያ 20 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ፡ ጓል 32 ዓመት ኣጥቃዒት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኢለን ዋይት ብዘመዝገበቶ ሰለስተ ሸቶታት ተሓጊዛ ኣብ 101 ዝተሳተፈቶ ጸወታታት ሃገራዊት ጋንታኣ 48 ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝለዓለት ኣመዝጋቢት ሸቶ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና።

ኣጥቃዒት ማንቸስተር ሲቲ ዝኾነት ኢለን ዋይት፡ ኣብ መበል ሽዱሽተን ትሽዓተ ደቂቕ ኣከታቲላ ክልተ ሸቶታት ምስ ኣመዝገበት እያ፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝለዓለት ኣመዝጋቢት ሽቶ ምዃን ብመጉልሒ ድምጺ ተቃሉሑ።

ኣብቲ ግጥም ኣጥቃዒት ማንቸስተር ሲቲ ላውረን ኣርባዕተ ሸቶታት ከተመዝግብ እንከላ፡ ተጻዋቲት ኣርሴናል ቤዝ መድ ከምኡ'ውን ተጻዋቲት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣሊሳ ሩሶ ነፍሲ ወከፍን ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊበን።

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረኦ ግጥም መጻረዩ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሽዱሽተ ጸወታታት ሽዱሽተ ግዜ ብምዕዋትን 53 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንምድበን ብመሪሕነት ይቅልሰኦ ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ሃንጋሪ 13 ብ 0 ድሕሪ ምስዓረን እቲ ዓወት ክሳብ ትማሊ ዝገፈሐ ዓወት ተባሂሉ እዩ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ጸኒሑ።

ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣንጻር ላቲቭያ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም'ውን 10 ብ 0 እያ ድሂኻታ ነይራ።