ብጾታዊ ዓመጽ ብጌጋ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ድሕሪ 72 ዓመታት 'ነጻ' ወጺኦም

ንሓንቲ መንእሰይ ዓሚጽኩም ብዝብል ብጌጋ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ድሕሪ 72 ዓመታት ካብቲ ክሲ ነጻ ተባሂሎም።

ንሳቶም ኣብ 1949 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ግሮቭላንድ ፍሎሪዳ ነታ መንእሰይ ከም ዝጨወዩን ከም ዝተጋገሰስዋን እዮም ተኸሲሶም ነይሮም።

እቶም ቻርለስ ግሪንሊ፣ ዋልተር ኢርቪን፣ ሳሙኤል ሸፈርድን ኤርነስት ቶማስን ዝተባህሉ ብ 'ግሮቭላንድ ፎር' ዝፍለጡ ሰባት ኣብ ጥሪ 2019 ብክፍለ ሃገር ፍሎሪዳ ምሕረት ተጌሩሎም ነይሩ።

እቶም ሰባት ካብቲ ክሲ ነጻ እኳ እንተተባህሉ ሓደ ካብኣታቶም ብህይወት የሎን።

ኣብቲ እዋን ዕድሚኦም ካብ 16 ክሳዕ 26 እዩ ነይሩ።

ቶማስ ድሕሪ እቲ ፈጺምዎ ዝተባህለ ክሲ ነዊሕ ከይጸንሐ ክርከብ እንከሎ ብብዙሕ ጠያይቲ ተሃሪሙ ተቐቲሉ።

እቶም ሰለስተ ካልኦት ከኣ ቅድሚ ናብ ፍርዲ ምቕራቦም ብዙሕ ማህረምቲ ክበጽሖም እንከሎ ገበነኛታት ተባሂሎም ተፈሪዶም ጸኒሖም።

ሳሙኤል ሸፈርድ ድሒሩ ንዳግመ-ፍርዲ ናብ ቤት ፍርዲ እናተወሰደ እንከሎ ብፖሊስ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ።

ኢርቪን ኣብ 1954 ክቕተል ተወሲኑ እኳ እንተነበረ ዕድል ጌሩ ሓሊፍዋ፤ ድሒሩ ኣብ 1968 ፍረዱ ብኣመክሮ ንሕልፈት ማእሰርቲ እኳ እንተተቐየረሉ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሞይቱ።

ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ ዝነበረ ግርንሊ'ውን ኣብ 1962 ብኣመክሮ እኳ እንተተፈትሐ ኣብ 2012 ህይወቱ ሓሊፉ።

ዳኛ ፍሎሪዳ ንክሲ ኤርነስት ቶማስን ሳሙኤል ሸፈርድን ክስርዝ እንከሎ ንፍርዲ ቻርለስ ግሪንሊን ዋልተር ኢርቪንን ኣደስኪልዎ።

ኣባላት ስድራቤቶም ድሕሪ እቲ ዜና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ፍጻመ ኻልኦት ተመሳሰልቲ ብይናት ደጊሞም ክረኣዩ ዘለዓዕል ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ብታሕጓስ እናነብዐ ዝተዛረበ ወዲ ሓው ንቶማስ ኣሮን ኒውሰን "ሕጉሳት ኢና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ዕድል ስለ ዘይረኸቡ፡ እዚ ጅማሮ ምዃኑ እትስፎ. . . እዛ ሃገር ናብ ሓድነት ክትመጽእ ኣለዋ" ኢሉ።

ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣኽባር ሕጊ ቢል ጋድሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ እቶም ሰባት ብወግዒ ነጻ ክበሃሉ ነቲ ጉዳይ ኣበጊስዎ።

ኣብ 2017 መንግስቲ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ ንስድራ እቶም ኣርባዕተ ሰባት "ልባዊ ይቕሬታ" ክሓትት እንከሎ ናይ ድሕሪ ሞት ምሕረት ክግበረሎም ለበዋ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ዛንታ ናይ'ቶም ሰባት ኣብ መጽሓፍ 'ዴቪል ኢነ ዘ ግሮቭ' ክዝንቶ እንከሎ እቲ መጽሓፍ ተዓዋቲ ሽልማት ፑልቲዘር 2013 ኮይኑ እዩ።