ጃምላዊ ህልቂት ዓሌት ቱልሳ፡ ኣለሻ ግዳያት 100 ዓመት ዘቑጸረ ዝተረስዐ ህልቂት ኣመሪካ

ቅድሚ ሓደ ሚኢቲ ዓመት፡ ጸዓዱ፡ ጸለምቲ ተኣኪቦም ናብ ዝነብርሉ ከባቢ ብምኻድ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ኣስክሬን እዞም ግዳያት ምርካብ፡ ንሓንቲ ዶክተር ዳርጋ ውልቃዊ ኮይኑ ይርከብ።

"ስርሐይ እዞም ኣዕጽምቲ ክዛረቡ ምግባር'ዩ" ትብል ዶክተር ፌቢ ስታብልፊልድ።

እዛ ክኢላ መርመራ ኣስክሬን ስነ ሰብ፡ ብ1921 ኣብ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ህልቂት ግዳያት ዝኾኑ ምርካብ ኣብ ቅድሚት ተወፍያ ትሰርሕ ኣላ።

ሞያዊ ግዴትኣ ስለ ዝኾነ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ጉዳይ ውልቃዊ'ውን ስለ ዝኾነ'ዩ።

ዶክተር ፌቢ ስታብልፊልድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ተመራማሪት እያ።

"ብዙሓት ጸለምቲ ክኢላታት መርመራ ኣስክሬን ስነ ሰብ የለውን። ጉዳይ ቱልሳ፡ ሓደ ጸሊም ሰብ ታሪኮም ንክናገር ናይ ጸለምቲ ኣስክሬን ክጥቀም ዘይተለመደ ኣጋጣሚ'ዩ" ትብል።

ህልቂት ቱልሳ፡ ብ31 ግንቦት 1921 ዝተፈጸመ ኣብ ታሪክ ዓሌታዊ ጎንጺ ኣመሪካ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝተሰነደ ታሪኽ'ዩ።

ልዕልነት ጸዓዱ ኣመሪካውያን ዘሰጉሙ ጉጅለ ጎነጽ [ብሉሙድ ኬኬኬ ተባሂሎም ዝጽውዑ] ናብቲ መንበሪ ጸለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ መንደር ግሪንውድ ክተሙ እንከለው፡ ምስ ዕጥቆም'ዮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ብኣማኢት ዝግመቱ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይእመን። ኣሽሓት ከኣ ቖሲሎም።

መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ተዘሚቶም፣ ተቓጺሎም ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሮም።

እዚ ኹሉ ኣብ ውሽጢ 16 ሰዓታት ዝተፈጸመ ግፍዒ'ዩ።

ዶክተር ፌቢ ስታብልፊልድ፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ምስ ሙሁራት ታሪኽን ክኢላታት ስነ ኳዕትን ብሓባር ብምዃን ኣስክሬን እዞም ግዳያት ንምርካብ ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ።

ኣዝዩ ጥንቃቐ ዝጠልብ ስራሕ ስለ ዝኾነ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ኣሎ። ብዙሓት ፍረ ዘየፍረዩ ኣለሻታት ኣጋጢሞም።

ኣብ መወዳእታ ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት እዞም ክኢላታት ኣብ ጥቓ እቲ ጨፍጫፍ ዝተፈጸመሉ መንደር ግሪንውድ መቓብር ረኺቦም።

እቲ ቦታ ንምፍላጥ ናብ መሬት ውሽጢ ዘሊቑ ዝኣቱ ራዳር ኣብ ረብሓ ክውዕል።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ድማ ዓጽምን ዕንጸይትን ረኺቦም።

"ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ዘለዎ ቦታ ረኺብና። እቲ ቦታ ክንኩእቶ እነከለና ገለ ሽክና ርእሲ ረኺብና . . . ምስ ርኣኩዎ 'ናይ ወዲ ተባዕታይ መቓብር ረኺብና' ኢለ። ዝረኸብናዮም ይመስለኒ" ትብል።

ኣብቲ ከባቢ፡ 12 ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ረኺቦም። ኩሎም ጎኒ ንጎኒ ተሰሪዖም ናይ ሰብ ኣስክሬን ሒዞም ዝነበሩ'ዮም።

እቶም ተመራመርቲ ግን ካልእ ተወሳኺ ኣስክሬን ክርከብ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።

እቲ ቦታ ናይ መቓብር ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ጅምላ መቓብር'ውን እዩ ይብሉ። ሕጂ እቲ ኣስክሬናት ኣብ ወርሒ ሰነ ምውጻእ ክጅመር እዩ።

ዶክተር ፌቢ፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ኣስክሬን ብጥይት ተሃሪሞም ዝቖሰሉ፣ ናይ ዓረር ውቃዕ ወይ'ውን ናብ ውሽጢ ዓጽሚ ዝኣተወ ውቃዕ ምህላው ዘርኢ መረጋገጺ" ርእየ እየ ትብል።

እዚ ኸኣ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣስክሬን ግዳያት እቲ ጨፍጫፍ ድዮም ዝብል ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝ ሓቢራ።

ብ1921፡ ብዙሃት ግዳያት ብጥይት ተሃሪሞም ድሕሪ ዘጋጥሞም መቑሰልቲ ይሞቱ ነይሮም ዝበለት እታ ክኢላ፡ ድሕሪ ሞት ዝግበር መርመራ ስለ ዝነበረ ምልክት እቲ ዓረር ሕጂ'ውን ምህላው ዓብዪ ዕድል'ዩ ኢላ።

ኣብቲ ግዜ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ኣስታት 300 ጸለምቲ ሰባት ኣብቲ ዓመጽ ከም ዝተቐትሉ ይግመት።

ዶክተር ሶፊ ኣብ መወዳእታ እቲ ምርምር፡ ነፍሲ ወከፍ ግዳያት "ሽሞምን ናይ መወዳእታ ዝኽርታቶምን እንታይ ይመስል ዝብል ክሰፍር እዩ" ኢላ።

እንተኾነ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ቅምሶ ደም ካብ ኣስናኖም ተወሲዱ ዝስራሕ'ኳ እንተኾነ እቶም ግዳያት ብቐጥታ መን ምዃኖም ምፍላጥ ኣጸጋሚ ክከውን ከም ዝኽእል ሓቢራ።

እቲ ስርሓ ግን ሕጂ'ውን "ታሪኽ ዝፈትዎም ሰባት'ዩ" ኢላ።

ንዓሰርታት ዓመታት፡ እቲ ፍጻመ ጨፍጫፍ ካብ ታሪኽ ጠፊኡ፤ መንግስታዊ ጸብጻባት ጠፊኦም ወይ ከኣ ዓንዮም'ዮም።

ኣብታ ከተማ ዝሕተም ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ቕትለት ኣይጽሕን፤ ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ኣካል ስርዓተ ትምህርተን ገይረን ኣይምህራን።

ብዙሓት ኣብ ቱልሳ ዝዓብዩ'ውን እንታይ ተፈጢሩ ዝብል ኣይፈልጡን።

ወለዲ ዶክተር ፌቢ ስታብልፊል ኣብቲ ከባቢ እኳ እንተተወለዱ ብዛዕብኡ ተዛሪቦም ኣይፈልጡን።

ዓባያ በቲ መጥቃዕቲ መንበሪ ገዝኣ ዓንዩ'ዩ።

"ብዙሓት ሕማቓት ፍጻመታት ኣይውግዐሎምን። ስለ ምንታይ ኣብ ሕሉፍ ንነብር ካብ ዝብል ዝብገስ'ዩ ዝመሰልኒ" ትብል።

31 ግንቦት 2021 ዝኽሪ ጨፍጫፍ ቱልሳ ሽምዓ ብምብራህን ናይ ሕሊና ጸሎት ብምግባርን ክካየድ'ዩ።

ብቴሌቪዥን ኣብ ዝህሉ ምድላው ከኣ ፍሉጣት ሰባት ከም ዝሳተፉን፡ ምኽትል ፕሬዝደንት ካማላ ሃሪስ፣ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቱ ሚሸል ኦባማን ከም ዝሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ብተሸላሚ ሙሁር ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ፕሮፌሰር ስኮት ኤልስዎርዝ ዝተጽሓፈ 'The Ground Breaking' ዝተሰምየ - ህልቂት ዓሌት ቱልሳን ኣለሻ ፍትሒ ከተማ ኣመሪካን ብዝብል ዝተዳለወ መጽሓፍ'ውን ኣብቲ ዕለት ክምረቕ'ዩ።

"እቶም ግዳያት እቲ ጨፍጫፍ ብውሑድ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ቦታታት ከም ዝተቐበሩ ርግጸኛ እየ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኺብና ኢና፤ ካብ ጸለምትን ጸዓዱን ዝተኸብናዮም እሙናት መረዳእታታት ኣለው" ኢሉ።

ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጎኒ እዚ ሙሁር ኮይና ቀጻሊ ጻዕሪ ከም እትገብር ዝገለጸት ዶክተር ሶፊ ድማ፡ "ኣብ ከም ናይ ቱልሳ ዓሌት ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ምእላሽ ክቕጽል እየ፤ ምኽንያቱ ንሱ'የ ዝሰርሕ" ኢላ።