ኣብ ኣመሪካ ናብ ምርኢት ልደት ብዝኣተወት መኪና ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣመሪካ ዊስኮንሲ ምርኢት ልደት ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ናብ እኩብ ሰብ ሃንደበት ብዝኣተወት መኪና፡ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ 40 ድማ ቆሲሎም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እታ መኪና ዉኬሻ ኣብ ትበሃል ከተማ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ሰባት ብናህሪ እናተሽከርከረት ጉድኣት ክተብፅሕ የርእይ።

ሓለቓ ፖሊስ ዳን ቶምፕሰን፡ እታ መኪና ህፃናት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝገጨወት ገሊፁ።

በቲ ሓደጋ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝገለፀ እቲ ሓለቓ ፖሊስ፡ ስድራ ግዳያት መርድእ ክሳብ ዝንገሮም ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ነባሪ እቲ ከባቢ ኣንጀሊቶ ቴኖሪዮ ንጋዜጣ ጆርናል ሴንቲነል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንበዓል ልደት ዝተዳለወ ሰልፊ ምስ ወድኡ" እታ መኪና ብናህሪ ናብቲ ዝተኣከበ ሰብ ከም ዝኣተወት ተዛሪቡ።

“እታ SUV ዝዓይነታ መኪና ብናህሪ ናብቲ ዝተኣከበ ሰብ ክትኣቱ ርኢና። ካብኡ ዝኾነ ነገር ክላተም ሰሚዕና። ድሕሪኡ እቲ ቦታ ብብኽያትን ኣውያትን ተመሊኡ” ኢሉ።

ካልእ ኮሪ ሞንትዮ ዝተባህለ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ ናይ ጓሉ ጉጅለ ትልሂት በታ SUV ዝዓይነታ መኪና ከም ዝተገጨወት ገሊፁ።

ሓለቓ ፖሊስ ቶምፕሰን፡ ነቲ ሓደጋ ኣብፂሑ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለን ምስ ኤፍቢኣይ ኮይኖም ምርምራ የካይዱ ከም ዘለዉን ሓቢሩ።

ዝርዝር ጉዳያት እቲ ውልቀሰብ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ እቲ ሓለቓ ፖሊስ፡ እታ መኪና ሰባት እናጨፍለቐት ክተኸድ ከላ፡ ፖሊስ ነዚ ንምግታእ ናብታ መኪና ከም ዝተኮሰ ገሊፁ።

ሓላፊ ምክልኻል ባርዕ ስቲቨን ሃዋርድ ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ፍፃመ 11 ኣባፅሕን 12 ህፃናትን ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱ ሓቢሩ።

ከንቲባ እታ ከተማ ሻውን ራይሊ፡ ነታ ከተማ “ዘሰንብድ” ግዘ እዩ። በዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ንዝተጎድኡ ሰባት ሓዚነ እየ” ኢሉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ)፡ እታ መኪና ኣብ መገዳ ንዝነበሩ ሰባት እናረገፀት ክትግስግስ የርእይ።

ኣብ ካልእ ምስሊ ድማ እታ መኪና ተኣኪቦም ናብ ዝነበሩ ድምፃውያን ክትኣቱ የርእይ።