ኮሮናቫይረስ: ፖሊስ ኔዘርላንድ ንሕግታት ኮሮናቫይረስ ምስ ዝተጻብኡ ናዕበኛታት ተጓኒጹ

ፖሊስ ኔዘርላንድ፡ ኣብ ሮቶርዳም: መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ንዘወጽኦ ሕገ ደንቢ ተቓዊሞም ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ዘበገሱ ሰባት ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብውሑዱ ንኽልተ ሰባት ከምዘቑሰለ ተገሊጹ።

እቶም ናዕበኛታት ዳርባን ርችትን ካብ ምትኳስ ሓሊፎም መካይን ፖሊስ ኣቃጺሎም።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘውጽኦ ውጥንን ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2022 ርችት ንኸይትኮስ ዝወጽአ ክልከላ ብምቅዋም ቁጥዐኦም ገሊጾም።

ኣብ ኔዘርላንድ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብምውሳኹ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ከፊላዊ ዕጽዋ ተኣዊጁ ምህላው ይፍለጥ።

ኣብቲ ብከንቲባ ሮተርዳም ዘይቅቡል ተግባር ዝተብሃለ ናይ ለይቲ ተቓውሞ 7 ሰባት ክጉድኡ እንከለው 20 ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም።

ፖሊስ መጀመርታ ናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ ከፊቱ ነይሩ ድሓረ ግን እቲ ኩነታት ንህይወት ኣባላት ጸጥታ እንከይተረፈ ስግኣት እንዳኾነ ስለዝመጽአ ናብቶም ናዕበኛታት ብቐጥታ ክትኩስ ከምዝጀመረ ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ሃገር ንሮይተረስ ሓቢሩ።

ሮቶርዳም ሰዓት እቶ እቶ ዝኣወጀት ኮይና ብሰንኪ እቲ ዝተወልዐ ናዕቢ ቀንዲ መደበር ባቡር ናይታ ከተማ ተዓጽዩ’ሎ።

ናይ ፖሊስ መኪና እናተቓጸላን ናዕበኛታት ናብ ፖሊስ ኣእማን እንዳደርበዩን ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም። ፖሊስ ነቶም ናዕበኛታት መበተኒ ዝበልዎ ማይ ክነጽጉ ተራእዮም።

ኔዘርላንድ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እንዳበዝሐ ስለዝመጽአ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ጀሚራ ሓድሽ ክልከላታት ዘንበረት ኮይና ቤት ብልዕን ድኳናትን ብግዜ ክዓጽው ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከኣ ኣብ ዕጽው ቦታታት ክግበሩ ከምዘለዎም ኣገዲዳ ኣላ።

እቶም ኣብ ሮተርዳም ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት ክታበት ኮሮናቫይረስ ንዝተኸተቡን ካብቲ ሕማም ንዝሓወዩን ሰባት “ናይ ይሕለፍ” ወረቐት ክወሃቦም ዝብል ውጥን መንግስቲ እታ ሃገር ከምዘይቕበልዎ ድምጾም ኣስሚዖም።

እዚ ውጥን እንተድኣጸዲቑ: እቶም ናይ ይሕለፍ ወረቐት ዝሓዙ ሰባት’ዮም ናብ ቤት መግብን እንዳ መስተን ኣትዮም ክጥቀሙ ዝፍቀደሎም።

መንግስቲ እታ ሃገር ትማሊ ዓርቢ: ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሰስ 31 ርችት ምትኳስ ክልኩል ከምዝኾነ ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ።