እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጋንዳ: ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ክልተ ነትጒታት ተፈንጂሮም
ኣብቲ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ዝተፈንጀረ ነትጒ ብውሕዱ 6 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ሓቢሮም። ሰለስተ ካብቶም ዝተቐትሉ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ምዃኖም ኣፈኛ ፖሊስ ጠቒሱ።
ፍረድ ኢናንጋ ከምዝበሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዝኣከብዎ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኪዳን (ADF) ዝተባህሉ ዕጡቓት እታ ሃገር'ዩ ተፈጺሙ።
እቲ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ምውሳዱ ይፍለጥ።
ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ካልኦት 33 ሰባት ከምዝቖሰሉን፡ ገለ ካብኦም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ምዃኖምን እቲ ኣፈኛ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ማእከል ቁጠባዊ ዕዳጋታት ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ክልተ ነትጒታት ከምዝተፈንጀሩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ሓደ ናይ መጀመርያ ነታጒ ኣብ ጥቓ መደብር ፖሊስ ኣብ ሓደ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ከምዝተፈንጀረን እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ሃሪሙ ተባሂሉ።
እቶም ነትጒታት ምስ ተፈንጀሩ፡ ብብርቱዕ ድምጺ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ዓበይቲ ህንጻታት ክነቓነቑ ዝረአዩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ደይሊ ሞኒተር ዝተብሃለ ጋዜጣ፡ ድሕቲ እቲ ነትጒ ኣብ ጥቓ ሓደ ናይ ኢንሹራነስ ህንጻ መካይን እናተቃጸላ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣቃሊሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ርእሰ ከተማ ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ነትጒታት ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር።
ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ መሰረቱ ንዝገበረ እስላማዊ ጉጅለ ኡጋንዳ እዮም ዝኸሱ።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ንደሓር ልዕሊ ሓምሳ ሰባት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ተራእዮም።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ካምፓላ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ማለት ብ26 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጸጥታ መዘኻኸሪ ተወሳኺ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቲ መጠንቀቕታ ኣብታ ከተማ ክልተ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምክያዱ እዩ ተዘርጊሑ። ነቲ ሓደ መጥቃዕቲ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝፈጸሞ ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ኤምባሲ ወሲኹ፡ ዜጋታት ኣመሪካ "ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ብጥንቃቐ ንኸባቢኦም ክከታተሉ" ኣዘኻኺሩ ነይሩ።