ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዳግማይ ትግራይ ኣትዩ

ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቀጸለ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይ ከምዝተራኸበ ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ሓቢሩ።

ብዛዕባ ቀጻሊ ምዕባለታት ምስ መራሒ ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየደ'ውን ኣቶ ጌታቸው ጠቒሱ።

"ክልቲኦም ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ርክባቶም ክቕጽሉ ተሰማሚዖም" ካብ ምባል ሓሊፉ ግን ዝርዝር ናይቶም ዝተዘርበሎም ዛዕባታት ኣየነጸረን።

ፕረዚደንት ኦባሳንጆ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ሓቀኛ ጻዕርታት" ይገብምር ብምህላዉ፡ ምስኡ ከምዝተሓባበሩ'ዩ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ ዘሎ።

ኦባሳንጆ ቅድሚ ሕጂ'ውን ምስ መራሕቲ ህወሓት ንምርኻብ ኣብ መቐለ ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ምስ ሰበስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ከምኡ'ውን ሰብመዚ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ከምዝተራኸበ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነን፡ ኲናት ደው ብዛዕባ ዝብለሉ ኩነታት ተዘራሪቡ ምንባሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፌልትማን ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር።

ብዘይካ'ዚ ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ወኪላት ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብታ ሃገር ንክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓሙ፡ ዓቢ ስግኣትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ይርከብ።

ነቲ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይተዓወተን።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ምፍንቓል፡ ሞት፡ ጥምየትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ'ሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ፡ እዚ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ይግለጽ።