እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ንመጀመርታ ግዜ ንነዊሕ እዋን ዝሰርሕ ናይ ኤችኣይቪ መርፍእ ተፈቒዱ
ኣብዚ ግዜ ብኣሽሓት ዝቑጽሩ ኣብ ደሞም ቫይረስ ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት፡ መዓልታዊ ከኒና ምውሳድ ከቋርጹ እንተ ደልዮም፡ ኩነታቶም ንምቍጽጻር ንነዊሕ እዋን ዝሰርሕ መርፍእ ክወሃቦም ይኽእል።
ማሕበራት ግብረ-ሰናያት ነቲ ብሓለዋን ክትትልን ሃገራዊ ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ተቐባልነት ዝረኸበ ክታበት ብሓጎስ ተቐቢለንኦ።
እቲ መድሃኒት ከምቲ ብኸኒና ዝወሃብ ንቡር ፈውሲ መድሃኒታት ጸረ-ነፍሳት ነቲ ቫይረስ ከም ዘይዝርጋሕን ከም ዘይራባሕን ይገብሮ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብገምጋም 13,000 ዝዀኑ ሰባት ካብ ከኒና ናብ መርፍእ ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ካቦተግራይ ወይ ከኣ ቮካብርያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቪቪ ብዝተባህለ ትካል ክንክን ጥዕና ከምኡ እውን ሪልፒቪሪን ወይ ከኣ ሬካምቢያስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብጃንሰን ዝተባህለ ትካል ዝስራሕ ብመርፍእ ዝወሃብ መድሃኒት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ወርሒ ይወሃብ።
እቲ ሕክምና ነቶም ዛጊት ከኒና እናወሰዱ፡ ኣብ ደሞም ቫይረስ ኣብ ዘይረኣየሉ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ምቹእ እዩ።
እቶም ክኢላታት እቲ መድሃኒት ንብዙሓት ምቹእ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኲን ሜሪ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኤችኣይቪ ክኢላ ፕሮፈሰር ክሎ ኦርኪን እዚ ብመርፍእ ዝወሃብ መድሃኒት ነቶም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ካብቲ መዓልታዊ ብከኒና ዝውሰድ ሕክምና ብምንጋፍ ኣብ ዓመት ሽዱሽተ ግዜ ጥራይ መድሃኒት ንክወስዱ ይሕግዞም ይብል።
ፕረዚደንት ማሕበር ረድኤት ሕክምና ኤውሮጳ ዶክተር ሳንጃይ ባጋኒ እዚ ናይ ብሓቂ ዘሐጉስዩ ብማለት ብሓጐስ ተቐቢሉዎ።
" ሕብረተሰብ ንሕሙማት ኤችኣይቪ ስለ ዘግልሎም፡ ነቶም መዓልታዊ ከኒና ዝወስዱ ሰባት ኣማራጺ ክኾኖም ይኽእል እዩ። ናይ ክውን ዓለም ተሞኩሮ ሓበሬታን መጽናዕትን ከም ዝሕብሮ እቶም ብመርፍእ ዝውሰድ ሕክምና ዝጅምሩ ሕሙማት ኣብኡ ንዕኡ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።
ተረንስ ሂግንስ ሕድሪ ኣብ ዝብሃል ትካል ግብረ-ሰናይ ኤች.ኣይ.ቪ. ዝሰርሕ ኣብ ማንቸስተር ዝነብር ኣሌክስ ስፓርውሃውክ፡ ቅድሚ 12 ዓመት ኤችኣይቪ ከም ዘለዎ ፈሊጡ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ መዓልታዊ መድሃኒት ይወስድ ነበረ። ካልእ ናይ ሕክምና ኣማራጺ እንተረኺቡ ኣዝዩ ከም ዝሕጕስ ይዛረብ።
"ነዚ ወረ እዚ ብዙሓት ሰባት ክጽበዩ ጸኒሖም እዮም። መዓልታዊ መድሃኒት ኣብ ክንዲ ምውሳድ ኣብ ዓመት ሽዱሽተ ሳዕ መርፍእ ምውጋእ ዝብል ሓሳብ ዝድነቕ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እትወስዶ ከኒና ንሕማምካ ብቐጻሊ እዩ ዘዘኻኽረካ" ይብል።
ወሲኹ፡ "ገሊኦም ሰባት፡ ኤችኣይቪ ከምዘለዎም ምስ ዘይፈልጡ ሰባት ክነብሩ፣ ክሰርሑ ወይ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ኢንዱስትሪ ኺዓዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ መዓልታዊ መድሃኒት ምውሳድ ከኣ ነቲ ኩነታት ብዝያዳ በዳሂ ይገብሮ። ነቶም ግዳይ ተነጽሎ ዝኾኑ ሰባት እዚ ሓድሽ ብመርፍእ ዝወሃብ ሕክምና ቀዳምነት ክወሃቦም ይግባእ" ክብል ይምሕጸን።