ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ዓቐኑ ዝሓለፈ መድሓኒት ብምውሳዶም ንሞት ተቓሊዖም ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, The Washington Post via Getty Images
ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ኣሜሪካውያን ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ (ኦቨር ዶዝ) መድሃኒት ብምውሳዶም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊጹ።
እዚ ብዝሒ ድማ ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ብሰንኪ ምጥቃም ልዕሊ ዓቐን መድሓኒት የጋጥም ካብ ዝነበረ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ካብ ማእኸል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፤ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝነበሩ 12 ኣዋርሕ ብሰንኪ ዓቐኑ ዝሓለፈ መድሓኒት ዝተመዝገበ ሞት ብ28.5 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእይዩ’ሎ።
እዚ ዘይዕቁን ምጥቃም መድሓኒት ድማ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ዝሰዓበ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ዘኸተሎ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ምጥቃም ዕቅኑ ዝሓለፎ መድሓኒት [‘ኦቨር ዶዝ’] ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ።
ንወረቐት ምስክር ሞት መሰረት ብምግባር ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ክሳብ ሚያዝያ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን 100,306 ሰባት ምስ ምውሳድ ልዕሊ ዓቐን መድሓኒት ብዝተሓሓዝ ሞይቶም ኣለዉ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዝሞቱ ሰባት 78,056 ነይሮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ በዓልቲ ሞያ እዚ ዓውዲ ዝኾነት ካትሪን ከይስ፤ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሓኒት ዘጋጥም ሞት በብዓመቱ ይውስኽ ምጽንሑ ብምሕባር እዚ እዋን ለበዳ ኮቪድ ድማ “ናብ ልዕሊ ሓዊ ነዳዲ ከም ምርብራብ” ከምዝኾነ ንቢቢሲ ኣረዲኣ።
ኣብዚ እዋን እቲ ብሰንኪ መድሓኒታት ዘጋጥም ሞት ነቲ ብሰንኪ ኣጽዋር፣ ሓደጋ መኪና ወይ ጉንፋዕ ዝስዕብ ሞት ኣርኪብዎ ኣሎ።
ብዘይካ እቶም ንሕክምና ዝውዕሉ መድሓኒታት ብዘይዕቅን ብምጥቃሞም ንሞት ዝሳጥሑ ሰባት፤ እቶም መዕወንቲ ወይ ሓሽሽ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምውሳዶም ዝሞቱ’ውን ኣብዚ ዝምዝገቡ እዮም።
ቁጽሪ ናይቶም ልክዑ ዝሓለፎ መድሓኒት ብምውሳድ ዝሞቱ ሰባት ብድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ’ውን ክቕጽል ከምዝኽእል ሰብሞያ እታ ሃገር ይሕብሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







