እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ግብጺ ልዕሊ 4 ሽሕ ዓመታት ዕድመ ዘቑጸረ ቤተ-መቕደስ ተረኺቡ
ኣብ ግብጺ 4,500 ዓመታት ዕድመ ዘቑጸረ ቤተ-መቕደስ ብዃዕቲ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።
ሙሁራት ስነ-ኳዕቲ ግብጺ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ኣዝዮም ኣገደስቲ ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ ትሕቲ መሬት ዝተቐበሩ ውርሻታት ነቲ ሓደ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።
እቲ ቤተ-መቕደስ ፈርኦናውያን ንነብሶም ናብ ኣማልኽቲ ንምቕያር ይፍትኑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ካብ ሞንጎ ዝሃነጽዎምን ጠፊኦም ዝጸንሑን ኣርባዕተ ናይ ጸሓይ ኣብያተ-መቕደስ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ።
ግብጻውያን ፈርኦናት ቅድሚ 4,500 ዓመታት ዝሃነጽዎም ኣብያተ-መቕደስ ፀሓይ ሽድሽተ ጥራሕ ከምዝኾኑ ይእመን።
ካብ ሞንጎኦም ድማ እቶም ክልተ ጥራሕ ከምዝተረኸቡ ይግለጽ። እቲ ሳልሳይ ሎሚ ክርከብ ምኽኣሉ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዃዓቲ ካብ ሞንጎ ዝወጽኡ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉሉ’ሎ።
እቲ ቤተ-መቕደስ ካብ ከተማ ካይሮ ንኣንፈት ደቡብ ኣብ ዘሎ ኣቡ ጎራብ ዝተባሃለ ቦታ ዝተረኸበ ኮይኑ፤ ኣብ ውሽጡ ነዊሕ ሓወልቲ ዝተተኸሎ ሰፊሕ መረባ (ካንሸሎ) ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ዓበይቲ ፒራሚዳት ግብጺ፤ ኣብቲ ብድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት ኣምላኽነት ፈርኦናውያን ንምርግጋጽ ብምሕሳብ ከምዝተሃነጹ ይዝረብ።
ኣብ ግብጺ ብቐጻሊ ኣብ ዝካየዱ ኳዕቲ፤ ብኣሽሓት ዕድመ ዘቑጸሩን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበሩን ህንጻታት ብብዝሒ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።