ህይወት ጥንታውያን ፈርኦናት እትገልጽ ኣብ ግብጺ ዝተረኽበት 'ወርቃዊት ከተማ'

ርኽበት ናይታ 3,000 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ኣብ ሑጻ ግብጺ ጠፊኣ ዝጸንሐት ጥንታዊት ከተማ፡ ድሕሪ መቓብር ቱታንክሃሙን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት ተባሂሉ ኣሎ።

ዛሂ ሃዋስ ዝበሃል ውሩይ ግብጻዊ ተመራማሪ፡ ነታ ጥቓ ሉሆር እትርከብ "ዝጠፍአት ወርቃዊት ከተማ" ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እታ 'ኣተን' እትበሃል ከተማ ዛጊት ኣብ ግብጺ ዝተረኽበት ዝዓበየት ጥንታዊት ከተማ ምዃና ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተጀመረ ኩዕታ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት እዩ ተሳሊጡ።

እታ ከተማ ብዘመን እቲ፡ ካብ 1391 ክሳዕ 1353 ቅ.ል.ክ ዝገዝእ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ፈርኦናት ግብጺ: ኣመንሆተፕ ሳልሳይ እትመሓደር ዝነበረት እያ።

ፈርኦናት ኣይን ቱታንካሙንን'ውን ነታ ከተማ ዝተገልገሉላ ኮይኖም እቲ ከም ዝነበሮ ዝጸንሐ መቓብራቶም ብብሪጣንያዊ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ሃዋርድ ካርተር ኣብ 1922 ተረኺቡ እዩ።

ኣብ ባልቲሞር፡ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ እተስተምህር ፕሮፌሰር ስነ ፍልጠት ቤትሲ ብራያን፡ "ርኽበት እዛ ዝጠፍአት ወርቃዊት ከተማ ግብጺ፡ ድሕሪ መቓብር ቱታንካሙን፡ ኣብ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዋ" ኢላ።

እታ ከተማ ኣብቲ እቲ ሃብታም ሃጸያዊ ግዝኣት "ብዛዕባ ህይወት ጥንታውያን ግብጻውያን ገለ ነገር ክትነግረና ትኽእል እያ" ትብል ።

በቲ ዅዕታ፡ ከም ስልማት፡ ሕብራዊ ካይላ፡ ክታብ፡ ከምኡ እውን ኣመንሆተፕ ሳልሳይ ዝብል ማሕተም ዘለዎ ሕጡብ ዘጠቓልል ብዙሕ ጠቓሚ ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ተረኺቡ።

እቲ ጕጅለ ኣብቲ ብሸነኽ ምዕራብ፡ ጥቓ ስንጭሮ ነገስታት ዝርከብ፡ ካብ ርእሲ ከተማ ካይሮ ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 500 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ እዩ ኵዕታ ጀሚሩ ።

እቲ ዘገርም "ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ እቲ ጋንታ ዘይተጸበዮ፡ ብኹሉ ኣንፈት ቅርጺ ሕጡብ ክርአ ጀሚሩ" ይብል ዶክተር ሃዋስ።

"እቲ ዘሐጐሶም፡ እታ ዓባይ ከተማ ዳርጋ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምስ ምሉእ መናድቓን ነበርታ ንመዓልታዊ ህይወቶም ዝጥቀምሉ ናውቲ ዝመልአ ክፍልታትን ምርካቦም'ዩ።"

ሕጂ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ኩዕታ፡ ሓያሎ ከባቢታት ናይታ ከተማ ከም እንዳ ሕብስቲ፡ ምምሕዳር ኣውራጃን መንበሪ ኣባይትን ተረኺቦም ኣለዉ።

እቲ ምኒስተር ስነ-ጥንቲ ነበር ዶክተር ሃዋስ፡ "ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣርኪዮሎጂስት ነዛ ከተማ ንምርካብ፡ ሓያሎ ፈተነታት ኣካይዶም እዮም ግን ክረኽቡዋ ኣይከኣሉን" ይብል።

ኣብቲ ቦታ ተወሳኺ ስነ-ጥንታዊ ዕዮ ኩዕታ ይካየድ ከምዘሎን፡ ጋንትኡ ገና "ዘይተተንከፈ መቓብራት ምስ ምሉእ ትሕዝቶን ሃብትን" ክትረክብ ትጽቢት ከምዘለዋን ገሊጹ ።

ግብጺ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓመታት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ነውጽን ዝተዳኸመ ጽላት ቱሪዝም ንምሕዳስ፡ ንጥንታዊ ቅርሳ ከተስፍሖ ትጽዕር ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ግብጺ ንሬሳታት ጥንታውያን ገዛእቲ ሃገራ፡ ብዘደንቕ ዓጀባ ብካይሮ ኣቢላ ናብቲ ታሪኻዊ መዓርፎ ኣሕሊፋቶ።

እቲ 18 ነገስታትን ኣርባዕተ ንግስትታትን ዝሓቖፈ 22 መቓብር ንጉሳውያን ቤተሰብ፡ ብዘደንቕ ምርኢት'ዩ ካብ ቤተ-መዘክር ኒዮ-ክላሲካል ግብጺ ናብቲ ሓድሽ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ስልጣነ ግብጺ: ኣስታት 5 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ግዒዙ።

ኣመንሆተፕ ሳልሳይን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ቲየን ድማ ካብቶም ናብ ሓድሽ መዕረፊ እተሰጋገሩ ማሚታት (ጥንታዊ መቓብር ፎሮኦናት ግብጺ) እዮም ።