ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኢኳዶር ብዝተልዓለ ጎንጺ 68 እሱራት ተቐቲሎም

ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ኢኳዶር ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ብዝተልዓለ ኣምባጓሮ 68 እሱራት ከምዝተቐትሉ፡ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ብተመሳሳሊ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጥረ ኣምባጎሮ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ እሱራት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።

እቲ፡ ኣብ ከተማ ጉያኲል ኣብ ዝርከብ ሊቶራል ፔኒተንሽያሪ ዝተብሃለ ቤት ማእሰርቲ ዝተልዓለ ናዕቢ ብዓርቢ ዝጀመረ እዩ ተባሂሉ።

ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዉ ፖሊስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ጠመንጃ፣ ነተጉትን መላጸን ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሓደ ዓመት ጥራይ፡ ኣብታ ሃገር ብተመሳሳሊ ኣምባጓሮታት ዳርጋ 300 እሱራት ከምዝሞቱ ጸብጻበት ይሕብሩ።

እቲ ኣብ መስከረም ኣብ መንጎ ዘይሕጋዊ ጉጅለታት ተኸሲቱ ዝነበረ ባእሲ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።

ትማሊ ቀዳም’ውን ተመሳሳሊ ኣምባጓሮ ተላዒሉ ከምዝነበረ ጸብጻባት ዘመልክቱ ኾይኖም፡ ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኹን ደጋዊ ኣካል እቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢቦም ከምዝተርአዩን ይግለጽ።

ዘመድ ኣዝማድን ፈተውትን እሱራት ኣብ’ቲ ግዳያት ዝኾኑ ዝንገረሉ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ተራእዮም።

እቲ ጎንጺ ናይ ሓደ ዓቢ ጉጅለ መራሒ ምሰተፈተሐ፡ ኣብ መንጎ እቶም ተነሓናሕቲ ጉጅታት ብናይ ቦታ ይግበአኒ እዩ ተልዒሉ ተባሂሉ።

ኣማሓዳሪ እታ ከተማ፡ “ሓደ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ መራሒ ኣይነበሮምን፡ ካብ ካልእ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝመጽኡ ክጭፍጭፍዎም እዮም መጺኦም ነይሮም” ኢሉ።

ኣብቲ ባእሲ ዝተልዓሎ ቤት ማእሰርቲ ብሓፈሻ ልዕሊ 700 እሱራት ከምዝነበሩ ድማ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጒለርሞ፡ ኣብ ትዊር ገጹ፡ ንስዳራ ግዳያት ኣጽናኒዑ፤ ነቲ ናይ ማፍያ ጉጅለታት ድማ፡ ጸጥ መበሊ ሓድሽ መይላ ከምዝረኽበሉ ቃል ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ እቶም ጉጅለታት ሓደገኛታት ካብ ምዃኖም ዝተልዓለ፡ ምስ ገለ ፍሉጣት ዓለም ለኸ ጉጅለታት ኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ’ውን ርክብ ከምዝፈጠሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

ቅድሚኡ ዝነበሩ መንግስታት፡ ብዛዕባ ምዝውዋር ሓደገኛ እጻት ምንም ከይሰርሑ ሓሊፎም ክብል’ውን ከሲሱ፤ እቲ ጸገም ሱር ዝሰደደ ከምዝኾነ ብምእማን።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጸ ፋርስ ዝካየድ ቃልሲ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ እውን ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ዝተወደበ ገበናት ንምቅላስ፡ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ካብ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኮሎምብያን ድጋፍ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ካብ ክሕዝዎ ዝግባእ ንላዕሊ ኣስታት 9 ሽሕ እሱራት ተወሰኽቲ ከምዝተሸከማ እዩ ዝዝረብ።

ንኣብነት፡ እቲ ሕዚ ናዕቢ ዝተልዓሎ ቤት ማእሰርቲ ን5300 እሱራት ክሕዝ እንተተሰርሐ’ኳ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ልዕሊ 8500 እሱራት ሒዙ ይርከብ።

ቅድም ኢሉ እንታይ ኣጋጢሙ ነይሩ?

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ታሪኽ ኢኳዶር ኣዝዩ ጨካነ ብዝተመልኦ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ውሽጢ ብዘተልዓለ ሓያል ባእሲ 116 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም ነይሮም።

ኣብ ውሽጢ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንጎ ዘለዉ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ዝተልዓለ እዚ ባእሲ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ጉድኣት ከምዘብጸሐ ዝተገለጸ ኾይኑ፡ ሓሙስተ ሰባት ክሳዶም እንትቑረጽ፡ ዝተረፉ ድማ ብጥይት ተቐቲሎም።

ላዕለዋይ ኣዛኢ ፖሊስ ዝኾነ ፋዉስቶ ቡኔናዎ፡ እቶም እሱራት ቦምባ ከይተረፈ ከምዝተወራወሩ ገሊጹ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣዝዮም ፍሉጣት ዓለምለኸ ጉጅለታት ኣዛወርቲ ዕጸ ፋርስ ዝእሰርሉ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።

ገለ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝጸብጸበኦ፡ እቲ ባእሲ፡ ብሓደ ፍሉጥ ዓለም ለኸ ኣሰጋጋሪ ዕጸ ፋርስ ትእዛዝ ዝተጀመረ እዩ'ውን ተባሂሉ ነይሩ።

ሓላፊ ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ኢኳዶር፡ ገለ እሱራት ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ብዝተጓሕጎሐ ቱቦ እዮም ሓሊፎም መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ምስ ኣብ ሜክሲኮ ዝንቀሳቐስ ሲናሎዋ ዝተባህለ ዓለምለኸ ኣሰጋጋሪ ዕጸ ፋርስ፡ ምትእስሳር ዘለዎ ሎስ ቾኔሮስ ዝተባህለ ጉጅለ ኣባላት ዝእሰርሉ እዩ።

ጃሊስኮ ኒው ጄኔሬሽን ዝተባህለ ካልእ ጉጅለ ወሮበላታት ድማ፡ ምስ'ቲ ኣብ ኢኳዶር ዝርከብ ጉጅለ ብምምስጣር፡ ናብ ማእከላዊ ኣመሪካ ንምስፍፋሕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ።