እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ረሚንግተን፡ ንስድራ ግዳያት መጥቃዕቲ ሳንዲ ሁክ 33 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ኣቕሪቡ
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንዘጋጠመ ሓደገኛ መጥቃዕቲ ዝውዓለ ብረት ዘፍረየ ኩባኒያ ንብርክት ዝበሉ ስድራ ግዳያት 33 ሚሊየን ዶላር ካሕሳ ኣቕሪቡ።
ብ14 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ኮኔክቲከት ኣብ ዝርከብ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ ዝተፈጸመ 'ጨፍጫፍ ሳንዲ ሁክ'፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ኩባኒያ ኣፍራዪ ሽጉጥ ዝኾነ ረሚንግተን ዝሰርሖ ብረት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዓለ ይዝከር።
በዚ ምኽንያት ትሸዓተ ኣባላት ስድራ 26 ግዳያት ነቲ ኩባኒያ ክኸሱዎ እንከለው እቲ ኩባኒያ ከም ዝኸሰረ ይግለጽ።
ነፍሲ ወከፍ ስድራ ግን 3.3 ሚሊየን ዶላር ክከሓስ'ዩ።
እዚ፡ ጉዳይ ክሳራ ረሚንግተን ብዝርኢ ዘሎ ቤት ፍርዲ ኣልባማ'ውን ተቐባልነት ዝረኸበ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሕጂ ቐሪቡ ዘሎ ካሕሳ ግን ስድራ ግዳያት ካብ ዝጠለቡዎ ኣዝዩ ዝተሓተ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝነበረ ቖጸራ ቤት ፍርዲ እቶም ስድራ ግዳያት 225 ሚሊየን ዶላር ክክሓስ ከም ዘለዎ'ዮም ተኻቲዖም።
እዚ፡ ወጻኢታት ክቕርቡዎ ዝጸንሐ ጥርዓን ሓዊሱ ልዕሊ ሓደ ቢሊየን ዶላር ክበጽሕ ዝኽእል እዩ።
ጠበቓ እቶም ስድራ ዝኾነ ጆሽ ኮስኮፍ "እዚ ጉዳይ ካብ 2014 ዝጀመረ ስለ ዝኾነ እቶም ስድራ ቤት ቐጻሊ መጥቃዕቲ ሳንዲ ሁክ [ተመሳሳሊ ቕትለት] ክከላኸሉ'ዮም ጸኒሖም" ክብል ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ናይዚ ቀንዲ ሸቶ ባንክታትን ትካላት መድሕን ህይወትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን መጥቃዕቲ ክበጽሕ ዝገብሩ ብረታት ዘፍርዩን ዝሸጡን ኩባኒያታታት ፋይናንሳዊ ሓደጋ ክገጥሞም ምግባር'ዩ" ኢሉ።
ራሚንግተን ብ1816 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝተመስረተ ኣፍራዪ ኩባኒያ ጠመንጃን ሽጉጥን'ዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስርሒት እቲ ኩባኒያ ዝኾነ ጠመንጃ ከም ዝወዓለ ምስ ተፈልጠ ስድራ ግዳያት ንወተሃደራዊ ስርሒት ዝውዕል ዓይነት ብረት ንተራ ሰብ ክሽየጥ ኣይምነበሮን ብዝብል ነቲ ኩባኒያ ከሲሶምዎ።
እዚ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ክሲ ኮይኑ ረሚንግተን ኩባኒያታት ብረት ፍርያቶም ኣብ ገበን እንተውዒሉ ተሓተትቲ ከም ዘይኮኑ ዝከላኸል ብ2005 ብዝወጽአ ሕጊ ብምጥቃስ ናጻ'የ ኢሉ ክካታዕ ጸኒሑ።
ብ2019 ግን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ እቲ ጉዳይ ኣንጻር ራሚንግተን ኮይኑ መስርሕ ፍርዲ ክካየድ ፈቒዱ።
እቲ ኣብ ከነቲከት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣብ ኣመሪካ ሓያል ራዕዲ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ገበን ዝፈጸመ ወዲ 20 ዓመት ኣዳም ላንዛ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ 20 ህጻናት ተመሃሮን ሽዱሽተ መምሃራንን ክቐትል እንከሎ ቅድሚኡ'ውን ሓንቲ ኣደ ቐቲሉ ነይሩ።
ፖሊስ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ በጽሑ ግን ንርእሱ ቐቲሉ።
እቶም ግዳያት ዝኾኑ ተመሃሮ ቖልዑ ሽዱሽተን ሸውዓተን ዓመት እኳ እንተኾኑ ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ ሕጊ ምክልኻል ብረት ኣይተመሓላለፈን።