እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃ: ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ከብቅዕ ተራ ዝነበሮ ፕረዚደንት ነበር ዴ ክለርክ ዓሪፉ
ናይ መወዳእታ ጻዕዳ ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኤፍ ዳብሊው ዴ ክለርክ ሎሚ ኣብ መበል 85 ዓመቱ ዓሪፉ።
ዴ ክለርክ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ምስግጋር ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ኣንጻር ስርዓት ኣፓርታይድ ዝተቓለሰ በዓል ተራ እዩ።
ንሱ፡ ኣብዚ ዓመት ብሕማም መንሽሮ ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።
ዴ ክለርክ፡ ካብ መስከረም 1989 ክሳብ 1994 ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ እዩ።
ኣብ 1990 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ብምውሳን፡ ኣብ 1994 ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተሳተፍሉ መረጻ ክካየድ ዘፍቀደ መራሒ'ዩ።
ፋውንዴሽን ዴ ክለርክ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ፕሬዝደንት ነበር ዴ ክለርክ፡ ብመንሽሮ 'ሜሶቲሎማ' ሓሚሙ ጸኒሑ፤ ሎሚ ንጉሆ ድማ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እናሃለወ ዓሪፉ" ኢሉ።
እቲ መንሽሮ፡ ንመስመር ሳንቡኡ ከም ዘጥቅዖ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛን፡ ፍሉጥ ተሸላሚ ኖበል ሰላም ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ ዝርከብዎም መራሕቲ ብሞት ዴ ክለርክ ዝተምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።
ዴ ክለርክ፡ ኣብ 1990 ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝነበረ እገዳ ክለዓል ብምግባር ልዕልነት ጽዓዱ ዘስፍን ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ንከብቅዕ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ።
ድሕሪኡ፡ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለያ ውድባት ዝተሳተፋሉን ማንዴላ ፕሬዝደንት ዝኾነሉን መረጻ ሓደ ካብቶም ክልተ ምኽትል ፕሬዝደንት ንምዃን በቒዑ እዩ።
ኣብ 1993'ውን ምስ ማንዴላ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተማቒሉ።
ንሓድግን ራእይን ማንዴላ ንምትግባር ዝተመስረተ ኔልሰን ማንዴላ ፋውንዴሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዴ ክለርክ "ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘልኣለም ምስ ነልሰን ማንዴላ ተኣሳሲሩ ክነብር'ዩ" ብምባል ንዝተጻወቶ ተራ ንኢዱ።
እንተኾነ ግን፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ብዛዕባ ዝተጻወቶ ተራ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ገለ ነታ ሃገር ካብ ዓሌታዊ ምምሕዳር ናብ ደሞክራሲ ኣብ ምስግጋር ዝተጻወቶ ተራ ክንእዱ እንከሉ፡ ገለ ድማ መራሒ ናይቲ ዓሌታዊ ስርዓት ምንባሩ ካብ ነቐፌታ ክድሕን የብሉን ይብሉ።