እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቓልስቲ ኔልሰን ማንዴላ ዝኾነ ኣንድሪው ምላንጌኒ ኣብ 95 ኣመቱ ዓሪፉ
ኣንጻር ዓሌታዊ መግዛእቲ ጸዓዱ (ኣፓርታይድ) ብምልዕዓሎም ምስ ኔልሰን ማንዴላ ካብ ዝተኣሰሩን ዝተኸሰሱን መሓዙት ቃልሲ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ብሂወት ተሪፉ ዝነበረ ኣንድሪው እምላንጌኒ ሎሚ ኣብ 95 ዓመቱ ዓሪፉ።
እቲ ኣብ ርእሲኦም ዝተመስረተ ሓበራዊ ክሲ፡ ንማንዴላ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ትኹረት ክረክብ ዘኽአሎ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ይዝረብ።
ምላንጌኒ ምስ ከብዱ ብዝተኣሰሳር ሕማም ናብ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሆስፖታል ኣትዩ ሕክምናዊ ሓገዝ እንተተገበረሉ’ኳ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ክመውት ከምዝኸኣለ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ “ ሞት ምላንጌኒ፡ ናይቲ ወለዶ ናይ መወዳእታ ሕልፈት እዩ ዘመልክት። ድሕሪ ሕዚ ታሪኽና ከመይ ዓቂብና ንቕድሚት ከምእነሰጉሞ ኣብ ኢድና ወዲቑ ኣሎ” ኢሉ።
ኣንድሪው ምላንጌኒ መን እዩ ?
ኣብቲ ባዕሉ ምላንጌኒ ብ2017 ዘሕተሞ ‘The Backroom Boy’ ዝብል ዛንታ ሂወቱ ዝትርኽ መጽሓፉ ከምዘዘንትዎ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ካብ ሱሩ ምሒውካ ንምድርባይ ኣብ ዝተጀመረ ቃልሲ፡ ሓደ ካብቶም ማንዴላ ዝሓረዮ ምቀዳሞት ሓሙሽተ ተቓለስቲ ሓሙሽተ እዩ ነይሩ።
ማንዴላ ንሓሙሽቲኦም ወታሃደራዊ ስልጠና ክረኽቡ ንቻይና ሰዲድዎም።
እቲ ስልጠና ኣብ ቦምብ ምስራሕ፣ ኣብ ነብስኻ ነታጒ ምጽዋድን ምስጢራዊ ናይ መራኸቢ ቴክኒካዊ መሳርሕታት ምምላኽን ዝምልከት’ዩ ነይሩ።
ምላንጌኒ፡ ብ1963 ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምምላሱ ፡ ላዕለዋይ ኣባል ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ኤ-ኤን-ሲ [African National Congress] ኮይኑ ተመሪጹ።
ከም ቀሺ ተመሲሉ ድማ ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ተንቀሳቒሱ፡ ብዙሓት ናብቲ ቃልሲ ዝጽመንበሩ መናእሰይ መልሚሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሓሙሻይ ርእሱ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ሪቮንያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ። ምስ ብዓል ማንዴላ ብኽሕደት ሃገር ድማ ተኸሲሱ ኸኣ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ን26 ዓመታት ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ምስ ብዓል ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ደሴት ‘ሮበን ኣይላንድ’ እዩ ዝበዝሕ ናይ ማእሰርቲ ግዚኡ ኣሕሊፍዎ።
ኣብ 1989 ምስተፈትሐ ድማ፡ ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ኾይኑ፡ ክሳብ’ዛ ዕለተ ሞቱ ሶዌቶ ኣብ ዝተብሃለት ጸለምቲ ክነብርሉ ብዓሌታዊ መንግስቲ ኣፓርታይድ ኣብ ዝተገለለ ቦታ’ዩ ክነብር ጸኒሑ።
ትንታነ
ምላንጌኒ፡ ንባዕሉ ከም ሓደ ተራ ተቓላሳይ’ምበር፡ ከም ዓብዪ መራሒ ገይሩ ዘይቖጽርን፡ ናይ መትከል ሰብን ከምዝነበረ፡ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፑምዛ ፊላኒ ኣብ ትንታነኣ ትገልጾ።
ንሳ፡ “ኣብ ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውን ተፈታውነትን ፍቕርን ዘትረፈ ምኩር ተቓላሳይ” ኢላቶ ።
ኣብ እዋን ስርዓት ኣፖርታይድ ብዙሕ መከራን ግፍዕን ዘሕለፈ ሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ሓንቲ መዓልቲ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ኣንጸባሪቑ ዘይፈልጥን ብይቕሬታን ምሕረትን ዝተመልአ ሰብ ምንባሩ ብዙሓት ከምዝስማምዕሉ ትዛረብ።
“እቶም ዘሳቐይዎ’ኳ፡ ከምኡ ክሳቐዩ ክርኢ ኣይደለየን።”
ንመሰል ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝተቓለሰ’ኳ እንተኾነ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ግን፡ ኩሎም ኣህዛብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብማዕርነት ዝነብሩላ ሃገር ምርኣይ እዩ ነይሩ።