እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክዝቲ እዩ
ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር ኣብ ዝደፍእሉ ዘለዉ እዋን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ክእከብ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ኣኼባ እቲ ኣስታት ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃሊዑ ዘሎ ቅልውላው ክዝቲ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ባይቶ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ን11 ዓሰርተ ግዜ እንተተኣከበ'ውን እቲ ኲናት ንከብቅዕ ዝገብር ጭቡጥ መፍትሒ ኣይተረኽቦን ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ኣኬባ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እናተጋደደ ምኻዱ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ብህጹጽ ጠጠው ክብል ጸዊዑ'ዩ።
ብ15 ኣባላት እቲ ባይቶ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ ድማ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት፡ "ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ምቁራጽ ተጻብኦ ዘምጽእ" ዝርርብ ክጅምሩን ንኹሉ ዝሓቁፍ መድረኽ ዘተ ክካየድን ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት "ካብ ሓደገኛ ጽልኢት ዘስርጹን ጎንጽን ምክፍፋልን ዘለዓዕሉን ዘረባታት" ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ እዩ።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን ዘለወን ቻይናን ሩሲያን ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዘን ምጽንሐን ይዝከር።
ኣመሪካ ብወገና፡ እቲ ጎንጺ ጠጠው ንክብልን ልዝብ ንክጅመርን ጸቕጢ ንምሕዳር ብዝብል፡ ሚሊዮናት ዶላራት ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝን ረድኤትን ጠጠው ክብል ገይራ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ላዕለዎት ሰብ መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ብምኻድ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ነቶም ህጹጽ ሓገዝ ዝደልዩ ሚሊዮናት ውሑድ መገዲ ክኽፈትን ከም ዝሓተቱ ተገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ትማሊ ዓሰርታት ኣሽሓት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንህወሓት ብምቅዋም ንመንግስትን ሰራዊት ምክልኻልን ዘለዎም ድጋፍ ዝገለጽሉ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ሸውዓተ ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ይግለጽ።
ካብ ውሽጢ እቲ ሓሙሽተ ሚሊየን ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ፡ እቶም 400 ሽሕ ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ይርከቡ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓሲሉ ኣሎ። ትግራይ ድማ ብፍላይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ኩለ መዳያዊ ዕጽዋ እያ ትርከብ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንኪ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዕጽዋ ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሑ ከም ዘይከኣሉ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ጸኒሖም እዮም።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ህዝቢ ካብ ቤቱን መረበቱ ተመዛቢሉ'ዩ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም።