እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮፕ-26፡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ግላስኮ ዓቢ ተቓውሞ ኣካይዶም
ኣስታት 100,000 ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ክሊማዊ ቅልውላው ዝያዳ ስጕምቲ ንኽውሰድ ብምጥላብ ኣብ ግለሳኮ ሰፊሕ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኣዳለውቲ ሓቢሮም።
እቲ ተቓውሞ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ምንካይ ልቀት ካርቦን ዝተኻየደ ኣማኢት ተመሳሰልቲ ፍጻመታት እቲ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ምዃኑ ተፈሊጡ።
እታ ስምይቲ ተጣባቒት ክላይመት፡ ግሬታ ቱንበርግ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ እኳ እንተተሳተፈት፡ ንከም ቫኔሳ ናካቴ ዝኣመሰላ ንጡፋት ተጣበቕቲ ዕድል ንምሃብ ኣይተዛረበትን።
ፖሊስ፡ ንሓድሕዶም ብሰንሰለት ተኣሳሲሮም ናብ ፈለግ ክላይድ ዝወስድ መገዲ ንዝዓጸው 21 ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ አእትዮሞም።
እቲ ምረሻን ሰልፍን ምስ ተበተነ እውን ፖሊስ ንሓደ ሰብ ካብ ኣባላት ማሕበራዊ ጕጅለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ አእትዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣሽሓት ዝተሳተፉዎ ሰፊሕ ሰልፊ ብዘይ ገለ ዕግርግር ከም ዝሓለፋ ተገሊጹ።
እቲ "ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሓልዮትን ፍትሕን ንክሊማ" ዘርእስቱ ሰላማዊ ጕዕዞ ፡ ካብ ምዕራብ እታ ከተማ ኬሊንግሮቭ ፓርክ ፍርቂ መዓልቲ ተበጊሱ በቲ ኣቐዲሙ ዝተመደበ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጉዕዞ ተኻይዱ።
ኣብ ካልእ ክፋል ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ለንደን ኣደባባይ ትራፋልጋርን ካርዲፍን ዓቢ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ኬንያ፡ ቱርኪ ፡ ፈረንሳ፡ ብራዚል ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን እውን ኣስታት 100 ዝዀኑ ንለውጢ ክላይመት ዝምልከት ሰልፍታት ተገይሮም።
ኣብቲ ኣብ ግላስኮ ግሪን ዝተገብረ ናይ ተቓውሞ መኽፈቲ ሰላማዊ ሰልፊ በቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወከልቲ ደቀባት መደረታት ቀሪቡ ።
ኡጋንዳዊት ኣክቲቪስት ቫኔሳ ናካተ ንሰልፈኛታት "ክሊማን ኢኮሎጅያዊ ቅልውላውን ኣቐዲሞም ዝነበሩ እዮም። ካብ መላእ ዓለም ዝመጽኡ ዜጋታት ፍትሒ እውን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለው። መራሕቲ ዓለም ግን ንኽመርሑ ብዙሕ ትብዓት የብሎምን። ከማይን ከማኹምን ዝኣመሰሉ ዜጋታት፡ ስጕምቲ ክወስዱ ይሕተቱ ኣለው። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰልፊ ብቐጻሊ ምስ እነካይድ መራሕትና ክንቀሳቐሱ እዮም "ኢላ ።
ግሬታ ቱንበርግ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ጽርጋ ኮይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ መንእሰያት መሪሓ ትማሊ ዓርቢ መደረ ኣቕሪባ። ሎሚ ግን ንኻልኦት ተዛረብቲ ቦታ ክትህቦም ብምውሳን ኣይተዛረበትን።
ኣብ ትካል ዕቃበን ኢኮሎጂን ዝሰርሕ ተሓባባሪ መምህር ቻርሊ ጋርድነር፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ መራሕትና እምነት ስለዘይብሎም ንዓና ንኸድሕኑ "ስነ ምግባራዊ ግዴታ" ከምዘለዎም ሓቢሩ።
ቻርሊ ጋርድነር ብምቕጻል፡ "ልዕሊ 15,000 ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ኣብ ኣዝዩ ህጹጽ ክሊማዊ ሓደጋ ከም ዘለና እኳ እንተ ገለጹ ፡ መብዛሕትኦም ግና ከምቲ ዝግባእ ኣይተንቀሳቐሱን” ኢሉ።
"እዚ ስጕምቲ እዚ እንወስድ ዘለና፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ኵሎም ሰባትን፡ እቲ ንዅላትና አሕቢሩ ዝቐትል ነገር ንምእላይ ንኽሰርሑ ንኽበራበሩ ንምትብባዕ እዩ ።"
ፖሊስ ስኮትላንድ ኣብ እዋን እቲ ሰልፊ እቲ ቢንቶ ንተሽከርከርትን ኣጋርን ዓጽዩዎ ነይሩ ።
ሓደ ወሃቢ ቃል "ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይድና፤ ንደሕንነትን መሰላትን ናይ ዝሰፍሐ ማሕበረሰብ ሚዛን ብምሕላው ተቓዊምና ብዘይ ገለ ጸገም ንውድእ ኣለና" ኢሉ ።
“ልዑል መንፈስ"
እቲ ኣብ ግላስ ግሪን ዝነበረ ሰልፊ ድሕሪ ምብታኑ፡ ተሓጋጋዚ ሓለቓ ስታፍ ኮንስታብል ጋሪ ሪቺ፡ እቲ ሃዋህው፡ ብሓፈሻ ጽቡቕ ከም ዝነበረ: እዚ ከኣ ኣብቶም ሰባት "ልዑል መንፈስ" ከም ዝነበሩ ዘመልክት ገሊጹ።
ግላስኮ፡ ሎሚ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ብዝሒ ፖሊስን ተጣበቕቲ መሰላት ክላይመትን ዝተረኽብሉ ሰፊሕን ሰላማውን ህዝባዊ ተቓውሞ ኣዳልያ እያ። ብዘይ ገለ ጸገም ምሕላፉ የሐጕሰኒ ኢሉ።
"መብዛሕትኦም እቶም ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ስለቲ ኣወንታዊ ኣረኣእያኦምን ካብ ሰበ ስልጣንና እተዋህቦም መምርሒ ብምስዓቦምን ከመስግኖም እደሊ እየ" ከኣ ኢሉ።
ዋላኳ ሕማቕ ኩነታት ኣየር እንተነበረ ኣብ ከባቢ ኬልቪንሮቭ ፓርክ ናይ ካርኒቫል ሃዋህው እዩ ነይሩ። ሓደ ጕጅለ ነቲ ህዝቢ ብህርመት ከበሮ የዘናግዖም ነይሩ።
ባንዴራታትን ጭርሖታትን ብንፋስ ይወዛወዝ ነበረ። መንእሰያት ነቲ ዛሕልን ዝናብን ንምምካት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይገበሩ ነበሩ።
ኣብቲ ዓርቢ ዝተኻየደ ናይ መንእሰያት ምረሻ ፊስካ ክሸይጥ ዝወዓለ ሓደ ነጋዳይ ሎሚ እውን ብ03 ፓውንድ መዕቀል ክዳን ክሸይጥ ውዒሉ። ኣባላት ፖሊስ ነቶም ጸሊም ክዳንን ቀይሕ ቆቢዕን ተኸዲኖም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ፍሉይ ኣቓልቦ ይገብሩሎም ነይሮም። ኣባላት እታ ጕጅለ ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓት እዮም፡ ናብ ግላስ ግሪን መጸኦም።
እቲ ሰልፊ ናብ ምዕራብን ሸነኽ እታ ከተማ ከምርሕ እንከሎ ኣብ ላዕሊ ሄሊኮፕተር ትዝንቢ ነይራ። እቲ ናይ ሓፋሽ ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ግላስ ግሪን ክበጽሕ እንከሎ ጸሓይ ወጺኣ ወጽአት።
ሓደ ጕጅለ ኣብ ፊኒስቶን ቀይሕ ነበልባል እኳ እንተተኮሰ እቲ ጕዕዞ ግን ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም ተወዲኡ። እቲ ሰልፊ፡ ካብቲ ኣብ 2003 ኣንጻር ኵናት ዒራቕ ኣብ ግላስኮ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝዓበየ ነይሩ።
እቶም ኣብ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ ክሳተፉ ናብ ግላስኮ ዝመጽኡ መራሕቲ ዓለምን ወከልትን፡ ካብ ከሰል ንምውጻእ፡ ምብራስ ኣግራብ ንምግታእ፡ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ካብ ነዳዲ ንምውጻእ ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምግባርን ሚተይን ንምቍራጽን መብጽዓታት ኣትዮም ኣለው።
ይኹን እምበር፡ ገሊአን ሃገራት ኣብቲ ዓለምና ልዕሊ 1.5ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ንኸይትመዉቕ ዝገብራኦ ስጕምትታት ገና ዓቢ ጋግ ኣሎ። ብሳዕቤኑ ከኣ ምድርና ዝኸፍአ ምዕልቕላቕ ማይ፡ ድርቀት ፡ ህቦብላን ምውሳኽ ክሊማዊ ለውጥን ከጋጥማ እዩ።
ብቑጠባ ዝሰጎማ ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመት፡ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝኸውን ናይ ፋይናንስ ልቓሕን ነዚ ቅልውላው እዚ ንምጽዋርን ነቲ ናይ መወዳእታ ክፋል እቲ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ ክውን ንምግባርን ክሰርሓ ተስፋ ይግበረለን።
ወሃብ ቃል ጥምረት ኮፒ ኣሳድ ረህማን "ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከብ ጐደናታት እናኸድና ንመንግስትታት ካብ ክሊማ ናብ ፍትሒ ዝሰጋገር ኵነታት ኣየር ንክቕበሉ ንደፍኦም ኣሎና” ኢሉ።
"እዚ ቦታ እዚ ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብቐሊሉ ክርከብ ዝከኣል ጫፍ ክሊማ እዩ ፣ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መደረታት ብጐቦ ዓይኖም ይርእዩ ፡ ወይ ከኣ ኣብ መጀመርታ ኺዓይይዎ ኣይክእሉን እዮም ። ሎሚ ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ድምጾም ይስማዕ ኣሎ "በለ ።